ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኦሳማ ቤን ላደን ተቀቲሉ ክብሉ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ንዝሃብዎ መግለፂ ሃገራት ዓለም ዝሃበኦ ምላሽ


ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ኦሳማ ቤንላደን ከምዝሞተ ክገልፁ ኣብ ዝዳለውሉ ሰባት ኣብ ቐፅሪ ዋይት ሃውስን ኣብ ኒዮርክ ኣብቲ ግራውንድ ዚሮ ተባሂሉ ዝተፀወዔን መጥቃዕቲ ሽበራ 11-መስከረም 2001 ዓ.ም ዝተፈፀመሉ ቦታ ተአኪቦም በቲ ዜና ሓጎሶም ክገልፁ'ዮም ተራእዮም።

እቲ ኣብ ክልቲኡ ቦታታት ዝተቃለሐ ጭርሖ USA USA ዝብል'ዩ ኔሩ። ሞት ኦሳማ ቤንላደን ብኡንብኡ ውዕውዕ ስሚዒት'ዩ ፈጢሩ።ኣብ ከባቢ ዋይት ሃውስ ኸአ መንእሰያት ናብ ኣእዋምን ዓንድታት መብራህቲ ኤሌክትሪክ እናደየቡ ባንዴራ ኣሜሪካ ክሰቅሉን ሃገራዊ መዝሙር ክዝምሩን'ዮም ተራእዮም።

መራሕቲ ሃገራት ኤውሮጳ'ውን ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ነቲ ዜና ሞት ኦሳማ ቤንላደን ምስ ገለፁ ቅልጡፍ ምላሽ'ዮም ሂቦም'ሉ።

ናይ ብሪጣንያ ቀዳማይ ሚኒስተር ደቪድ ካምሮን ሃገሮም ነቲ ዜና ብሓጎስ ከምዝተቀበለቶ'ያ ገሊፆም።

" ብርግፅ ነቲ ኣጋጢሙና ዘሎ ስግአት ፅንፈኛ ሽበራ ንኸብቅዕ ኣይገብሮን'ዩ። ብፍላይ ንዝመፃ ሰሙናት ጥንቃቀ ክንገብር አለና። ግን እዚ ዓብይ ስጉምቲ ንቅድሚት'ዩ ኢለ'የ ዝአምን።" ኢሎም እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር እንግሊዝ።

ሩስያ፡ ጀርመን፡ጣልያንን ፈረንሳን ነቶም ኦሳማ ቤንላደን ዝቀተሉ ሓይልታት ኣሜሪካ ንኢደን'ለዋ። ግን ከም ሚኒስተር ወፃኢ ፈረንሳ ዝበሉ ብዙሓት ድማ ጥንቃቀ ክግበር ከምዘለዎ ይገልፁ'ለው።

እስራኤል ነቲ ዜና ብሓጎስ ክትቅበሎ ኸላ ቀዳማይ ሚኒስተራ ቤንጃሚን ኔታንያሁ እዚ ዓወት ፍትሒ'ዩ ኢሎም። ናይ ፍልስጤማውያን እስላማዊ ጉጅለ ሃማስ ኸአ ነቲ ቅትለት ኣውጊዙ ንቤንላደን "ናይ ዓረብ ቅዱስ ተዋጋኢ" ክብል ፀዊዕዎ'ሎ።

እቲ ስሪሒት ቅትለት ኦሳማ ቤንላድን ኣብ መሬታ ዝተፈፀመ ፓኪስታን ግን ነቲ ዜና ምላሽ ኣይሃበትሉን ኣስቂጣ'ያ ዘላ። ጎሬበታ ዝኾነት ህንዲ ግን ነቲ ዜና ብሓጎስ ተቀቢላ እዚ ኣብቲ ኣንፃር ግብረ-ሽበራ ዝካየድ ውግእ እምነ-ኹርናዕ ዝኾነ ዓወት'ዩ ኢላቶ፡ ግን እቲ ዜና ፓኪስታን ሽብርተኛታት ገና ተዕቁብ ከምዘላ ዘርኢ'ዩ ብምባል ዓለም ኣሸበርቲ ኣብ ጎሬቤትና ዑቁባ ከይረኽቡ ክደፍእ አለዎ ኢላ'ላ።

እቲ ዜና ኣብ ነበርቲ ዝተፈላለያ ሃገራት ዓለም ዝተፈላለየ ስሚዒት ፈጢሩ'ሎ። ገሊኦም እቲ ቅትለት ቅኑዕ'ዩ ክብሉ ኸለው፡ ገለ ኸአ እቲ ቅትለት መፍቲሒ አይኮነን ሓደ ኦሳማ እንተሞተ ካልኦት ኦሳማ ክለዓሉ'ዮም ይብሉ።

ሚኒስትር ወፃኢ ኣሜሪካ ሂለሪ ክሊንተን ግን እቲ ኣንፃር አልቃይዳ ዝካየድ ውግእ ኣብ ሞት ኦሳማ ቤንላደን ጠጠው አይብልን'ዩ፡ ኣሜሪካ ነቶም ቀተልቲ ንፁሃት ክትሃድኖም'ያ ክብላ ገሊፀን።

XS
SM
MD
LG