ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፖርቱጋል -- ባርዕ ሓዊ ንምህዳእ ናይ ወጻኢ ሓገዝ ትሓትት


ባርዕ ሓዊ ፖርቱጋል
ባርዕ ሓዊ ፖርቱጋል

ኣብ ማእከላይን ምብራቓዊን ፖርቱጋል ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ንካብ ስጳኛን መሮኮን ዝመጽእ ሓገዝ ይደፍእ ምህላዉ ሰብ-መዚ ፖርቱጋል ገሊጾም። ኣብ ኣቪሮን ቨዙን ምምሕዳራት ሸውዓት ሰባት በቲ ባርዕ ምሟቶም ብዓሰርተታት ዝቝጸሩ ኣባይቲ ምዕናዎምን ዓሰርተታት ኣሽሓት ሄክታር መሬት ዱር ምንዳዱን ተገሊጹ'ሎ። መንግስቲ ፖርቱጋል 5-ሽሕ መጥፋእቲ ሓዊ ምውፋሩን ክገልጽ ከሎ መሮኮ፡ ፈረንሳ፡ ስጳኛንን ኢጣልያን ድማ መጥፋእቲ ሓዊ ነፈርቲ ምልኣኸን ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ኣመልኪቱ።

መሮኮ፡ ኢጣልያ፡ ስጳኛን ፈረንሳን ነፍሲ-ወከፈን መጥፋእቲ ሓዊ ነፈርቲ ልኢኸን ኣለዋ። ብተወሳኺ 230 ወታሃደራት ዝሓዘ ጕጅለ መጥፋእቲ ሓዊ ስጳኛ’ውን ኣብቲ መስርሕ ንምስታፍ ኣብ ሓጺር እዋን ክጅምር ምዃኑ ተሓቢሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG