No media source currently available
ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ ሊቃነ ጳጳሳትን መሪሕነት ሃገረስብከትን ዝመስረትዎ ላዕለዋይ ቤተክህነት መንበረሰላማ ከሳቴ ብርሃን ኣብ ቀረባ እዋን 10 ኤጲስቆጶሳት ከምዝሾም ኣፍሊጡ። ኣብቲ ጉዳይ ምላሽ ዝተሓተተ ዋና ፀሓፊ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ኣቡነ ጴጥሮስ፡ ብዛዕባ እቲ ጉዳዩ ሓበሬታ ከምዘይብሎምን ብዛዕባ ዘይፈልጥዎ ጉዳይ ድማ መብርሂ ክህቡ ከምዘይክእሉ ሓቢሮም።