መቐለ —
ኣብ ክልል ትግራይ ዝርከቡ መራሕቲ ሃይማኖት 10 ኤጲስቆጶሳት ንምሿም ዘካየድዎ ምርጫ ቀኖና ቤተክርስቲያን ዝጥሓሰ እዩ ብምባል ጉባኤ ቤትፅሕፈት ምምሕዳር መንበረ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ኢትዮጵያ ገሊፁ።
እቲ ጉባኤ ንተወለድቲ እቲ ክልል መራሕቲ እቲ ሃይማኖት ሓድነትን ሰላምን እታ ቤተክርስቲያን ዘሐይል ኣስትምህሮ ክህቡ ድማ ፀዊዑ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት 9 ሓምለ 2015 ኣብ ከተማ ኣኽሱም ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ኤጲስቆጶሳት ንድምፂ ኣመሪካ መብርሂ ዝሃቡ ሊቀጳጳስ ሃገረስብከት ሽረእንዳስላሰ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ክልል ትግራይ ብፁእ ኣቡነ ጴጥሮስ: እቲ ምርጫ ኤጲስቆጶሳት ሕጋውን ቀኖና ቤተክርስትያን ዝተኸተለ እዩ ኢሎም ነይሮም።
ቅጥዒ