ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካይሮ: መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ማር ሚና 10 ሰባት ቀቲሉ


ኣብ ሐልዋን ዝተባህለ ከባቢ ካይሮ ኣብ ዝርከብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ሎሚ ዓርቢ ብዝተኸፍተ ቶኽሲ ብውሑዱ 10 ሰባት ተቐቲሎም።

እዚ መጥቃዕቲ ብክልተ ዕጡቓት ዝተፈጸመ ክኸውን እንከሎ፤ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ማር ሚና ካይሮ ንበዓል ልደት ንምጽንባል ኣብ ትቀራረበሉ ዘላ ግዜ ዘጋጠመ ድማ'ዩ።

ፖሊስ ካይሮ ነቲ መጥቃዕቲ ኣመልኪቶም ኣብ ዝ ሃብዎ ሓበሬታ፤ዝለዓለ ሓደጋ ናይ ምውራድ ተኽእሎ ዝነበሮ ሳልሳይ ዕጡቕ ምንባሩን ይኹንምበር እቲ ዕጡቕ ናብቲ ቤተ ክርስትያን ክኣቱ ኣብ ዝፈተነሉ ብኣባላት ፖሊስ ከምዝፈሸለ ገሊጾም።እቲ ሳልሳይ ዕጡቕ ኣብ ውሽጢቲ ቤተ ክርስትያን ነብሰ ቕትለታዊ መጥቃዕቲ ከፈጽሞ ዘኽእል ኣብ ኣካላቱ ተፈንጃሪ ኣጻዊዱ ምንባሩ ብተወሳኺ ተሓቢሩ።

ኣብ ሞንጎ ፖሊስ ካይሮን እቶም ክልተ ዕጡቓትን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ቶኽሲ ምልውዋጥ፡ ሓደ ካብ ዕጡቓት ብኡ ንብኡ ክቕተል እንከሎ: እቲ ካልኣይ ዕጡቕ ድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ክኣቱ ከምዝኸኣለ ድማ ተፈሊጡ።

ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጥዕና ግብጺ ካልድ መጋህድ ድሕሪቲ መጥቃዕቲ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ነቲ ዝተቐትለ ዕጡቕ ወሲኽካ ብሓፈሻ ሰባት ከምዝተቐትሉ ኣረጋጊጹ።

ካልኦት ድማ ኣብ በበይኑ ኣብያተ ሕክምና ተወሲዶም ሕክምናዊ ረድኤት ይግበረሎም ከምዘሎ ኣረዲኡ።

XS
SM
MD
LG