ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ብዓል ልደት ኣብ ዙሪያ ዓለም ይኽበር ኣሎ


ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓዊሱ ኣመንቲ ኦርቶዶክሳዊ ቤተ ክርስቲያን ዓለም ልደተ-ክስርቶስ የኽብሩ ኣለው።ርእሰ-ሊቃነ ጳጳሳት ኦርቶዶክሳዊያን ተዋህዶ ቤት ክርስቲያን ኢትዮጵያን ኤርትራን ብምኽንያት ብዓለ ልደት ቡራኼ ምሃቦም ተፈሊጡ’ሎ።

ራብዓይ ፓትሪያሪክ ኦርቶዶክስያዊ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብፁእ ኣቡነ ዲዮስቆሮስ ንኣመንቲ ልደት ቡራኬ ምሃቦም ኣብ መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ መንግስቲ ኤርትራ ሻባይት ዝወፀ ዜና ይገልፅ።

ኣብ ቤተልሄም፣ካይሮ፣ሞስኮ፣ኪቭን ካልኦት ምብራቓዊ ክርስቲያን ማሕበረሰብን ብመሰረት መፅሓፍ ቅዱስ ንማዕልቲ ልደተ-ክርስቶስ የኽብሩ ኣለው።

7 ጥሪ ብኣቆፃፅራ ጁሊያን ወይ 29 ታሕሳስ ብኣቆፃፅራ ኢትዮጵያ ኣብ ሩሲያ፣ዩክሬይን፣ጆርጂያ፣ማክዶኒያ፣ሞልዶቫ፣ሞንተነግን ሰሪብያን ማዕልቲ ልደተ-ክርስቶት እዩ።ኣብ ሶሪያ፣ግሪክ፣ኣልባኒያ፣ሳይፕረስ፣ፊንላንድን ኣሜሪካን እውን ብኦርቶዶክስ ቤተክርስቲያን ይኽበር።

ንኣከባብራን ኣመፃፅኣን በዓል ልደት እየሱስ ክርስቶስ ኣመልኪቱ ግርማይ ገብሩ ምስ መንፈሳዊ ኣቦ ሊቀ-ሊቃንቲ ያሬድ ክሳ ኣከባብራ እቲ በዓል ብዝምልከት ኣዘራሪቡዎም ኣሎ።ኣብዚ የድምፁ።

please wait

No media source currently available

0:00 0:05:24 0:00

XS
SM
MD
LG