ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጁልያን ካላንደር ዝክተሉ ኣመንቲ ክርስትና ሎሚ መዓልቲ ልደት ክርስቶስ ኣክቢሮም


ተከተልቲ ጁልያን ካላንደር ብዝኾኑ ኣመንቲ ክርስትና ሎሚ ልደት ክርስቶስ ብክብ ዝበለ ስነ-ስርዓት አብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ዓለም ተከቢሩ ወዒሉ’ሎ። ትማሊ ረቡዕ ድማ አመንቲ ክርስትና ሩስያ፡ ዩክሬን፡ ጆርጅያ፡ሰርብያ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ካልኦትን ንድሮ መዓልቲ ልደት ክርስቶስ ዘክበሩ ክኮኑ ከለው ተከተልቲ ግሪጎርያን ካላንደር ዝኾኑ ድማ ኣብዚ መዓልቲ ንበዓል ጥምቀት ኣኽቢሮም ወዒሎም ኣለው።

አብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣመንቲ ክርስትና ነዚ ሎሚ ዝክበር ልደት ክርስቶስ ካብ ድሮ ጀሚሮም ናብ ኣብያተ ክርስትያን ብምኻድን’ዮም ዝጽንብሉ ዘለው።

ፓትሪያርክ ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ግሪክ አብ የሩሳሌም ቴዎፍሎስ ሳልሳይ ትማሊ ረቡዕ አብቲ ብብዙሓት፡ ክርስቶስ ዝተወልደላ ቦታ ተባሂሉ ዝእመን አብ ምዕራባዊ የሩሳሌም ቤተለሄም ዝርከብ ቤተክርስትያን ቅዳሴ አካይዶም። እንተኾነ ግን አብቲ ዞባ ብዘሎ ጽዑቕ ግጭት ቁጽሪ በጻሕቲ አብቲ ቦታ ምጉዳሉ ተገሊጹ።

ምስ’ዚ ብዝተሓሓዝ ዋና ጸሓፊ ኦርቶዶክሲያዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ ሉቃስ ሎሚ ንዝክበር ልደት ክርስቶስ ኣመልኪቶም ቃለ-ቡራኬ ሂቦም።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

ጁልያን ካላንደር ዝክተሉ ኣመንቲ ክርስትና ሎሚ መዓልቲ ልደት ክርስቶስ ኣክቢሮም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:40 0:00

XS
SM
MD
LG