ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዩኒሴፍ፡ ኣብ ኻርቱም ተዓጽዮም ዝነበሩ 300 ዘኽታማት ህጻናት ምውጽኦም ገሊጹ


ኣብ ርእሰ-ከተማ ሱዳን ኻርቱም ኣብ ዝርከብ ሓደ መዕበይ ዘኽተማት ልዕሊ 70 ህጻናትን ቆልዑትን ብጥምየትን ሕማምን ድሕሪ ሙሟቶም ከምዝተዓጸወ ትካል ህጻናት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ።

ኣብ መንጎ ወተሃደራዊ ሓይልን ሓይልታት ቅልጡፍ ወሃቢ ድጋፍን ሱዳን ኲናት ኣብ ዝተባራዓሉ እዋን፡ እቲ ኣብ ኣል-ማይቆማ ዘጋጠመ ሞት ህጻናት ዝሓለፈ ወርሒ ኣርእስቲ ዜና ኔሩ`ዩ። ዩኒሰፍ ሕጂ ኣብኡ ዝነበሩ ኣስታት 300 ቆልዑት ካብ ኻርቱም ናብ ካልእ ውሑስ ዝተባህለ ከባቢ ከምዝግዕዙ ተገይሩ`ሎ ይብል ።

ሚንስትሪ ማሕበራዊ ጉዳያት ሱዳን ናይቶም ቆልዑት ሓላፍነት ከም ዝወሰደን ዩኒሰፍ ድማ ከም ሕክምና ዝበለ ሰብኣዊ ድጋፍ ይገብረሎም ከም ዘሎን ዝገለጸ ዩኒሰፍ፡ ድሕሪ`ቲ ነዊሕ ጉዕዞ ናብ ሆስፒታል ክኣትዉ ዘለዎም እንተሊዮም ድማ ዕድል ከምዝውሃቦም ኣፍሊጡ`ሎ።

ነቶም ዘኽታማት ካብ ኻርቱም ኣብ ምውጻእ ዝተሓጋገዘ ኮሚቴ ቀይሕ መስቀል ብወገኑ፡ 70 ኣለይቲ ቆልዑት`ውን ምስቶም ዘኽታማት ናብቲ ሓዲሽ ማእከል ከም ዝወጹ ኣፍሊጡ`ሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG