ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ንውጥን ምስፋሕ አዲስ አበባ ከተማ ደው ከምዘበሎ እንተገለጸ'ዃ ተቃውሞ አብ ክልል ኦሮምያ ግን ይቅጽል ኣሎ


ኣብ ክልል ኦሮምያ ምስፋሕ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ዝምልከት ውጥን መንግስቲ ከምዝገደፎ ድሕሪ ምግላጹ'ውን እንተኾነ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ተቃውሞ ቀጺሉ ከምዘሎ ይግለጽ'ሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ምብራቅ ወለጋ ኣብ ከተማ ኦርጆ ጉደቱ ኣብ ሓደ ስነ-ስርዓት መርዓ ኣብ መንጎ ደርፍን ሳዕስዒትን ንዝተላዕለ ድምጺ ተቃውሞ ደው ንምባል ሓይልታት መንግስቲ ብዝወሰድዎ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ሓደ መንእሰይ ከምዝሞተን ካልኦት ሰለስተ ድማ ከምዝቆሰሉ ሓደ ስሞም ክግለጽ ዘይደለዩ ናይ ዓይኒ ምስክር ካብቲ ቦታ ገሊጾም።

እቲ ዝሞተ መንእሰይ ዘሪሁን ጂሬኛ ከምዝበሃልን ኣብ ሆስፒታል ነቀምቴ ሞይቱ ሬስኡ ናብ ኢርጆ ጊድቱ ሎሚ ከም ዝተቀብረን'ውን ወሲኾም ገሊጾም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG