ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

‘ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተወስደ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ጌጋ ምዃኑ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ሂቦምዎ ’ ላዕለዎት ሰበስልጣን ዩናይትድ ስቴትስ


ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዩናይትድ ስቴትስ ምኽትል ሚኒስትር ጉዳያት ኣፍሪካ ሊንዳ ቶምስ ግሪንፊልድ
ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዩናይትድ ስቴትስ ምኽትል ሚኒስትር ጉዳያት ኣፍሪካ ሊንዳ ቶምስ ግሪንፊልድ

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዝተወስደ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ጌጋ ምዃኑ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣፍልጦ ሂቦምዎ ኣለው ይብላ ላዕለዎት ሰበስልጣን ዩናይትድ ስቴትስ።

ኣማሓዳሪት ዓለምለኸ ትካል ልምዓት ዩናይትድ ስቴትስ /USAID/ ጌል ስሚዝ
ኣማሓዳሪት ዓለምለኸ ትካል ልምዓት ዩናይትድ ስቴትስ /USAID/ ጌል ስሚዝ

ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝተዛዘመ መበል 26 ስሩዕ ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ንዝተሳተፈ ጉጅለ ልኡኽ ዩናይትድ ስቴትስ ዝመርሓ ኣማሓዳሪት ዓለምለኸ ትካል ልምዓት ዩናይትድ ስቴትስ /USAID/ ጌል ስሚዝ ብዛዕባ እዚ ዘተሓሳስብ ጉዳይ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዝርራበን ገሊጸን።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝኣተዋሉ ፈላማይ መዓልቲ ምስ መንግስትን ገለ ተወልደቲ ኦሮሞን ምዝረራበን ዝገለጻ ሚስ ጌል ስሚዝ እቲ ዝተፈጸመ ስጉምቲ ዘተሓሳስብ ምዃኑ ገልጺ ገይርና ኣለና ኢለን።

‘እቲ ኩነታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር እንተድኣ ዘይውዒሉ እናኸፈአ ከምዝኸይድ እውን ገሊጺና ኣለና።ነቲ ኩነታት ብዕቱብ ምክትታልና ክቕጽል እዩ።ብዛዕባ ዝተወሃበ ግብረመልስን ፍታሕ ከይረኸበ እንተድኣ ቀጺሉ ከምጽኦ ብዛዕባ ዝኽእል ሽግር ካብ ዘዘራረብናዮም ሰባት ኣፍልጦ ምርካቡ ሰሚዕና ኣለና።እቲ ኻልኣይ ድማ ሰባት ብፍላይ ድማ መንእሰያት ንዘልዓልዎም ሕቶታት ምስማዕ ምኽኣል ዝለዓለ ክእለት ምዃኑን ንዘልዕሉዎም ሕቶታት ዝግባእ ምላሽ ንምሃብ ነቲ ጸገም ብዛዕባ ምርዳእ እውን ተዘራሪብና ኣለና።’

ኣብ ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዩናይትድ ስቴትስ ምኽትል ሚኒስትር ጉዳያት ኣፍሪካ ሊንዳ ቶምስ ግሪንፊልድ ህይወት ሰብ ከይጠፍአ ምላሽ ንምሃብ ንፖሊሳት ብዛዕባ ዝውሃብ ስልጠና ምስ ሰበስልጣን ምዝርራበን ገሊጸን ኣለዋ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ምስ ዝተልዓለ ተቓውሞ ብዝተኣሳሰረ ኣብ ውሽጢ ሃገር ካብ መንጎ ዝንቀሳቐሱ ፖለቲካዊ ፓርቲታት ናይ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ ገለ ኣባልት ኣመራርሓ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣውዒሉ’ሎ።

ብኻልእ ወገን ኣቦ-መንበር ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ መንግስቲ ጌግኡ እንተደአ ኣሚኑ ኾይኑ ኣብ ኦሮምያ ንዝተፈጥረ ገበን ተሓተትቲ ተፈልዮም ብገለልተኛ አካል ይቀጽዑ ክብል ሓቲቶም።

ጌጋ ምእማን ሓድሽ ናይ ኢህወዲግ ቅዲ’ዩ ክብሉ’ውን ዶ/ር መራራ ጉዲና ተዛሪቦም’ለው።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ስደት ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ተወላዶ ኦሮሞ ሎሚ ኣብ ፕሮቶርያ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት UNHCR ሰላማዊ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ኣካይዶም።

ዕላማ’ቶም ሰልፈኛታት መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ክልል ኦሮምያ ይፈጽም ኣሎ ዝበልዎ ቅትለት ማእሰርቲ ደው ክብል ምስ መንግስታት ጎረባብቲ ሃገራት ብምትሕብባር ንዝተሰደዱ ተወላዶ ኦሮሞ አገዲድካ ምምላስ ደው ከብል ንሕ/ሃ ሓቲቶም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG