ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ 10 ሽሕ ተኣረምቲ ምህረት ተጌርሎም


ናይ ኦሮሚያ ክልል ፕረዝዳንት ን10 ሽሕ እሱራት ምሕረት ሂቦም።ኣቦ መንበር ተቓዋሚ ፖለቲካ መድረኽ እዚ ዝተውሃበ ምሕረት ሃናፂ ይኹን እምበር ኩነታት እታ ሃገር ንምርግጋእ ብሰንኪ ፖለቲካዊ መርጺኦም ዝተኣስሩ ፖለቲካዊ መራሕትን ኣባላትን ክፍትሑ ኣለዎም ይብሉ ።ሓላፊ ቢሮ ኮሚኒኬሽን ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ግን ብፖለቲካዊ ኣመለኻኽትኡ ዝተኣስረ ሰብ የለን ኢሎም ኣለው።

ናይ ኦሮሚያ ክልላዊ መንግስት ፕረዝደንት ኣቶ ለማ መገርሳ ምሕረት ዝገበሩሎም 10 ሽሕ ተሃነፅቲ ካብ ፅባሕ ጀሚሮም ከምዝፍትሑን ምስ ስድርኦም ከምዝራኸቡን ናይ ኦሮሚያ ክልላዊ መንግስት ሓላፊ ቢሮ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ኣቶ ኣዲሱ ኣረጋ ገሊፆም።

ኣቶ ኣዲሱ ብተወሳኺ እዚ ዝተውሃበ ምሕረት ብሕገ መንግስቲ እቲ ክልል ንፕረዝዳንት እቲ ክልል ዝውሃብ ስሩዕ ተግባርን ስልጣንን መሰረት ብምግባር ምዃኑ ሓቢሮም።

ናይ ኦሮሚያ ናይ ይቕሬታ ቦርድ ኣብቲ ክልል ኣብዝርከቡ 36 ኣብያተ ተሃድሶ ብምዝውዋር ኣፃሪዩ ነቶም ፕሬዝዳንት ከምዝቕርብ ብምውሳኽ ገሊፆም።

እቲ ምሕረት ዝምልከቶምን ዘይምልከቶምን ከምዘለው ብምዝርዛር ዝገለፁ ኣቶ ኣዲሱ ዕድመ ልክዕ ማእሰርቲ ተፈሪዱዎም ልዕሊ 13 ዓመታት ኣብ ማእሰርቲ ዝፀንሑ፣ክሳብ 25 ዓመት ፅኑዕ ማእሰርቲ ተፈሪዱዎም ካብኡ ሲሶ ኢድ ዝወድኡ፣ህፃናት ዘለወን ደቂ ኣንስትዮ፣ጉዱኣት ኣካል፣ሕሙማት፣ዕድሚኦም ልዕሊ 60 ዓመት ዝኾኑ ተኣረምቲ ልዕሊ ኹሉ ድማ ብዝፈፀምዎ ገበን ዝተናስሑን ናብ ሕብረተሰብ ተሓዊሶም ኣበርክቶ ክህቡ ተባሂሎም ዝተኣመነሎም እዮም ኢሎም።እዚ ናይ ሕዚ ምሕረት ምስ ዝኾነ ይኹን እዋናዊ ኩነታት ዝራኸብ ኣይኮነን እውን ኢሎም ።

ተቓወምቲ ውድባት ግን እቲ ምሕረት ብፖለቲካዊ ኣመለኻኽትኦም ንዝተኣስሩ እውን ክሓውስ ኣለዎ ይብሉ።ን10 ሽሕ ሰባት ዝተወሃበ ምሕረት ሃናፂ እዩ ዝበሉ ኣቦ መንበር መድረኽ ፕሮፌሰር በየነ ጴጥሮስ ኣብቲ ክልልን እታ ሃገርን ብዝሒ እሱራት ዝለዓለ ምዃኑ እውን ዝሕብር እዩ ኢሎም።

ብፍላይ ድማ ናይ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ መራሕትን ኣባላትን ምፍታሕ ንምርግጋእ እታ ሃገር ኣስተዋፅኦ ክገብር ይኽእል እዩ ኢሎም።

ሓላፊ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ኣዲሱ ኣረጋ ግን ብሰንኪ ፖለቲካዊ ኣመለኻኽትኡ ዝተኣስረ ሰብ የለን ኢሎም ኣለው።ምስ እዋናዊ ዕግርግ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝውዓሉ ናብ መአረሚ ቦታ ከይኮነስ ናብ ማእኸላት ተሃድሶ ኣቲዮም ስልጠና ወሲዶም ዝወፁ እዮም ካብዚ ወፃኢ ፖለቲካዊ ኣመላኻኽታ ዝተኣስረን ዝተፈርዶን የለን ኢሎም።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ንእሱራት ትማሊ ዝተወሃበ ምሕረት ኣብዚ ዓመት እዚ ንኻልኣይ ግዜ እዩ።ኣብ መእተዊ ሓድሽ ዓመት 2009 ዓ/ም ንልዕሊ ሓሙሽተ ሽሕ ተሃነፅቲ ምሕረት ከምዝተውሃበ ይዝኸር።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ 10 ሽሕ ተኣረምቲ ምህረት ተጌርሎም
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:49 0:00

XS
SM
MD
LG