ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ፅዕንቶ ንኽትገብር ማሕበር መፅናዕቲ ኦሮሞ ሓቲቱ


Con tàu trên đường đi đến cảng Massawa, cách thủ đô Asmara của Eritrea 70 kilômét về phía đông thì bị hải tặc cướp
Con tàu trên đường đi đến cảng Massawa, cách thủ đô Asmara của Eritrea 70 kilômét về phía đông thì bị hải tặc cướp
ዋና ቤት ፅሕፈቱ ኣብዚ ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ ክፍለ ግዝኣት ምኒሶታ ዝርከብ ናይ ኦሮሞ ማሕበር መፅናዕቲ ዩናይትድ ስቴትስ ሰብኣዊ መሰላት ይጥሕስ ኣብ ልዕሊ ዝበሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተፅዕኖ ንኽትገብር ሓቲቱ።

እቲ ማሕበር ደብዳብኡ ኣብ ቀረባ ናብ ኢትዮጵያ ክገሹ እዮም ዝተብሃሉ ናብ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ጆን ኬሪ ኣቕሪቡ’ሎ።

ናይቲ ማሕበር ኣቦ መንበር ዶ/ር ሞሲሳ ኣጋ ብናይ ጆን ኬሪ ዑደት ከምዘይትሓጎሱን እንተኸይዶም ግን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኩሎም ፖለቲካዊ እሱራት ንኽፈትሕ፣ናይ ኦሮሞ ሓረስቶት ብጉልበት እናፈናቐለ መሬቶም ንናይ ወፃኢን ንተወልድቲ ትግራይን ኢንቨስተራት ምክራዩ ጠጠው ንኸብልን መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ፕሬስ፣ናይ ምዝራብን ናይ ምእካብን ነፃነታት ንከኽብርን ሬድዮ ድምፂ ኣሜሪካ ሓዊሱ ንመርበባት ሓበሬታ ምዕፋኑ ጠጠው ንኸብል ንሰበስልጣን መንግስርቲ ኢትዮጵያ ክሓቱሎም ኣብቲ ደብዳቤ ምግላፆም ሓቢሮም።

መንግስቲ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪካ ምእታውን ረድኤት ምሃቡን ከምዘይቃወሙ ዶ/ር ሞሲስ ምስ ገለፁ ግን ‘’እቲ ፀገም ኣብ ስልጣን ዘሎ መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ረድኤት ነታ ሃገር እናልምዐሉ ኣይኮነን።ጠበንጃ እናዓደገሉ፣ታንኪ እናገዝአሉ ከም ኦሮሞ ንዝበሉ ህዝብታት ዝዕፍኑ ኣባላት ፀጥታ ብምስልጣንን እናዓፈነ ንመግሃሲ ሰብኣዊ መሰላት እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ።’’

ሰበስልጣን ኣሜሪካ እቲ ገንዝ ኣበይ ይውዕል ኣሎ ኢሎም ናይ ምሕታት ሓላፍነት ከምዘለዎም እውን ገሊፆም ዶ/ር ሞሲስ።
ብዛዕባ ሕቶታት ናይ ኦሮሞ ማሕበር መፅናዕቲ ዋሽንግተን ዲሲ ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ስልኪ ደዊለና ኣይሰለጠን።
XS
SM
MD
LG