ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

"ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ሰራዊት መንግስቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈነወሎም ገሊጾም"ሮይተርስ


ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ፡ ሰራዊት ፈደራል መንግስቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈነወሎም ምግላጾም ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ።

ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝጸንሓ ግጭት ንምዝዛም ምስ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ንሓደ ሰሙን ዝጸንሐ ልዝብ ኣብ ዛንዚባር ዝሓለፈ ወርሒ ምክያዱ ይዝከር።እቲ ልዝብ ብዘይፍረ እንተተዛዘመ’ውን ክልቲኦም ወገናት እቲ ልዝብ ከምዝቕጽል ገሊጾም'ዮም።

ብላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ዝወጸ መግለጺ ቀዳማይ ዙር ልዝብ ግንቦት 3 ድሕሪ ምዝዛሙ ሰራዊት መንግስቲ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ከምዝኸፈተሎም ይገልጽ።

ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ካብ ወሃቢ ቃል ፈደራል መንግስቲ፡ ሰራዊት ፈደራልን ምምሕዳር ክልል ኦሮምያን ምላሽ ንምርካብ ዘካየዶ ፈተነ ከምዘይተዓወተ ይሕብር።

ሮይተርስ ብተወሳኺ ነቲ ብሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ዝተዋህበ መግለጺ ብናጻ አካል ከረጋግጽ ከምዘይከአለ ኣፍሊጡ'ሎ።

XS
SM
MD
LG