ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህዝቢ ካብ ብማሕበራዊ መራኸቢ ዝምራሕ ዘይሕጋዊ ሰልፊ ክርሕቕ ጻውዒት ቐሪቡ


ህዝቢ ብዓል ዋንኡ ኣብዘይፍለጥን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዝምራሕ ዘይሕጋዊ ፃውዒት ሰልፊ ንዓርሱ ከርሕቕ ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ኣተሓሳሲቦም።

ናይ ኢትዮጵያ ብሮድካስቲንግ ኮርፖረሽን ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለፂ መላእ ዝህቢ ፀገማቱ ብዴሞክራሲያውን ብዝሰልጠነን ኣገባብ ዝፈትሓሉ ሰፊሕ ዕድል ከምዘሎ ብምግላፅ: ብዋንኡ ዘይፈለጥን ብማሕበራዊ መራኸቢ ካብ ዝምራሕን ዘይሕጋዊ ፃውዒት ሰልፊ ነብሱ ከርሕቕ ፀዊዖም።

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ገለ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያን ኣምሓራን ዝተኻየዱ ይቐርብ ዘሎ ፃውዒት ሰልፍን ኣግባብነት የብሎም ክብሉ እውን ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም ደሳለኝ ድማ ገሊፆም።

" ሕዚ ዝርኣዩ ዘለው ሓድ ሓደ ሰልፍታት ዕጥቕን ብረትን ፀይሮም ዝመፁ ሰባት ዘካይድዎ ሰልፊ ዘሎ ምዃኑ፤ካልኣይ ወናኒኡ መን ምዃኖም ዘይፍለጡ ሰልፍታት ምዃኖምን ሓል ሓሊፉ ድማ ብፀረ ሰላም ሓይልነት ኣብ ወፃኢ ተወዲቦም ነዛ ሃገር እዚኣ ንምፍራስ ዝደልዩ ሓይልታት ሓዊሱ ብዝልእኹዎም ናይ ፌስ ቡክ መልእኽታት ዝውደብ ዘሎ ዝመስል ብምዃኑ ሕጋዊ ኣይኮኑን" ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ።

ንሶም ብተወሳኺ: ዘይሕጋዊ ተግባራት ንምክልኻል መንግስቲ ሕጊ ንምኽባር ከምዝግደድን ሓላፍነቱ ከምዝዋፃእን ገሊፆም ኣለው።

"መንግስትና ከምዚኦም ዝበሉ ዘይሕጋዊነት ንምቁፅፃር ዘኽእሎ ብቑዕ ዓቕሚ ኣለዎ።ስለዚ እዞም ፀገማት እዚ ብትዕግስትን ብዝሰኸነ ኩነትን ንምፍታሕ ዝግበር ምቅስቓስ ናይ መንግስቲ ድኽመት እዮም ዝሕብሩ ኢሎም ዝዝርግሑ ኣካላት ዝዝርግሕሉ መንገዲ ምፍሳስ ደም ንምዕዳም ካብዘለዎም ድልየት ዝልዓል እዩ" ኢሎም ቀዳማይ ሚኒስተር ሃይለማርያም ደሳለኝ ።

ስለዝኾነ እቲ ህዝቢብ ነዚ ተረዲኡ መንእሰይ ደቁ ተደናጊሮም ኣብ ከምዚ ዝበለ ዘይሕጋዊ ሰልፊ ንከይሳተፉ ክንቀሳቐስ ኣለዎ ኢሎም።

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ገለ ከባቢታት ክልላት ኦሮሚያን ኣምሓራን ዝተኻየዱን ይፅውዑን ዘለው ሰልፍታት ኣግባብነት የብሎም ኢሎም።

ኣብዞም ሰልፍታት ካብ ናይቲ ህዝቢ ሕቶ ዝርሓቐን ነቲ ሕብረተሰብ ዘይውክሉን መርገፂ ሓይልታት ፀረ ሰላም ክንፀባረቕ ኣብ ኣደባባይ ተራኢዩ’ሎ ኢሎም።

ዝተርኣዩ መረገፂታትን ጭርሖታትን ንዝህቢ ኦሮሞ ይኹን ንዝህቢ ጎንደር ዝውክሉ ከምዘይኮኑ መንግስቲ ይርዳእ እዩ ኢሎም ቀዳማይ ምንስቴር ሃይለማሪያም።

ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ሰላማዊ ሰልፊ ምክያድ መሰል ሕሉው እንተኾነ እውን ኣብዚ ሰሙን ዝተኻየዱን ንምክያድ ዝድለዩ ዘለውን ግን ካብ ሕጋዊ መንገዲ ወፃኢ ዝኾኑን ዘይግቡእ ቕስቀሳታት እዮም ክብሉ ኮኒኖምዎም።

መንግስቲ ቅድም ክብል ምስቲ ህዝቢ ኣብዘካየዶ ምይይጥን ብናይ ባዕሉ ገምጋምን ብርክት ዝበሉ ፀገማት ሰናይ ምሕደራ ምህላዎም ምቕባሉን ንምፍትሖም እናሰርሐ ምዃኑን ገሊፆም።

ብኻሊእ ወገን ድማ ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ዩናይትድ ስቴትስ ሰራሕተኛታት እቲ እምባሲ ኣብ ዝቕፅሉ ማዕልታት እዚ ናይ መወዳእታ ሰሙን ናብ ክልል ኦሮሚያ ካብ ምጉዓዝ ክቑጠቡ ዘተሓሳስብ መልእኽቲ ዘርጊሑ

ህዝቢ ካብ ብማሕበራዊ መራኸቢ ዝምራሕ ዘይሕጋዊ ሰልፊ ክርሕቕ ጻውዒት ቐሪቡ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:19 0:00

XS
SM
MD
LG