ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

 ኣብ ኦሮሚያ ሰልፊ ንምክያድ ዘፍለጠ የለን ተባሂሉ


ኣብ ክልል ኦሮሚያ ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ብወግዒ ዘፍለጠ ኣካል ከምዘየለ ናይቲ ክልል ርእሰ ኣማሓዳሪ ኣቶ ሙክታር ከዲር ምግላፆም ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፐረሽን ፀብፂባ።

ኣቶ ሙክታር ዜጋታት ሰላማዊ ሰልፊ ብምክያድ ሓሳቦም ናይ ምግላፅ ሕገመንግስታዊ መሰል ዘለዎም’ዃ ኣብዚ ስዓት እዚ ግን ብሽም ሰላማዊ ሰልፊ ይቐርብ ዘሎ ፃውዒት ኣፍልጦ ዘይብሉ እዩ ኢሎም።

እቶም ኣማሓዳሪ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ኣብዚ ሰሙን ብማሕበራዊ መራኸቢ ኣቢሉ ይመሓለልፍ ዘሎ ፃውዒት ዝኾነ ይኹን ሕጋዊ ቁመና ዘለዎ ኣካል ሰላማዊ ሰልፊ ምክያድ ይኽእል፤ይኹን እምበር ነቲ ሰልፊ ሙሉእ ሓላፍነት ዝውስድ ኣካል ኣድላዪ ነገራት ከማልእ ትፅቢት ይግበረሉ ኢሎም።

ዝቕፅል ቀዳም ኣብ ምሉእ ክልል ኦሮሚያ ሰላማዊ ሰልፊ ንምክያድ ምድላው ይካየድ ከምዘሎ ብማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ይግለፅ ከምዘሎ ኣብ ናይ ትማሊ ዜናና ምጥቓስና ይዝከር።

XS
SM
MD
LG