ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዝመጽእ ቀዳም ኣብ ምሉእ ክልል ኦሮሚያ ሰላማዊ ሰልፊ ክካየድ ጻውዒት ቀሪቡ


ዝመጽእ ቀዳም ኣብ ኣብ ምሉእ ክልል ኦሮሚያ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝካየድ ብዝተፈላለዩ ማሕበራዊ መራኸቢ ይግለፅ ኣሎ።ኦሮሞ ፕሮቴስ ብዝብል ብዝወፀ መግለፂ ብመሰረት ሕጊ ሰልፊ ንክያድ ንመንግስቲ ምፍላጥ ጥራሕ እኹል ብምዃኑ ንኦሮሚያን ፌደራላዊ መንግስትን ኣፍሊጦም ኣለው ይብል።

መሳርሕትና ፅዮን ግርማ ብዛዕባ እቲ ሰልፊ ንኣቦ መንበር ፌደራሊስት ኮንግረስ ዶ/ር መረራ ጉዲና ሓቲታቶም ’’ኣነ ከምዝመስለኒ ነቲ ሰልፊ ዝፀውዖዎ ናይ ኦሮሞ ኣክቲቪስት እዮም’’ ክብሉ መሊሶም።ውድቦም ይኹን መድረኽ ቅድሚ ሎሚ ኣኼባን ሰልፊን ንምክያድ ብተደጋጋሚ ሓቲቶም ከምዝተኸልከሉ ዶ/ር መረራ ጠቒሶም።

ዶ/ር መረራ ሰልፊ ንምክያድ ምኽንያት ብዛዕባ ዝኾኑ ክገልፁ ከለው " ናይ ቀዳም ሰልፊ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ ይፍፀም ዘሎ ናይ ምፍርራሕ፣ምንክልባት፣ምእሳርን ናይ ምቕታልን ስጉምትታት ጠጠው ንክብል ንምሕታት እዩ" ኢሎም ።

ንሶም ብተወሳኺ: መብዛሕቲኡ ግዜ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ዝወስድ መንግስቲ ስለዝኸውን መንግስቲ ፖሊሲኡ ንክልውጥ በዚ ኣጋጣሚ እሓትት ኢሎም።

ህዝቢ ብሰላማዊ መንገዲ መሰሉ ንክሓትት ብዝተኽኣለ ሰላማዊ ንኸውን ፃዕሪ ክገብር ኣለዎ ኢሎም ዶ/ር መረራ ብምውሳኽ።

XS
SM
MD
LG