ኣብ ምዕራብ ኣርሲ ከተማ ሻሸመኔ ዝርከቡ ተማሃሮ መሰሎም ስለዝሓተቱ ዝተኣስሩ ይፈትሑ፣መቕተልቲ ደው ይበል ብምባል ትማልን ሎሚን ንተቓውሞ ከምዝወጹ ሽሞም ክግለጽ ዘይደለዩ ተማሃሮ ገሊጾም ኣለው።
ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ነቶም ተማሃሮ በቲኖምዎ፣ዝተወሰኑ ተማሃሮ እውን ዝተቐጥቀጡን ዝተኣሰሩን ኣለው፤ኣነ እውን ካብቶም ዝተወቕዑ ሓደ እየ ይብል ሓደ ተማሃራይ።
እቲ ተማሃራይ ‘ተማሃሮ ሃሮማያን ጅማን ከምኡ እውን ኣብ ኣምቦ ተማሃሮ ምቕታሎምን ነዚ ብምቅዋም እቲ ተግባር ደው ይበል፣ቃልስና ክቕጽል እዩ እናበልና ድምጽና ነስምዕ ነይርና’ ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ ተኣሲሩ፣ኣብ ማእሰርቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ እናሃለወ ኣብ ሆስፒታል ሞይቱ ዝተባሃለ ተማሃራይ ኣብ ከተማ ኣምቦ ከምዝተቐብረ ተገሊጹ።ሓደ ነባሪ እታ ከተማ ከምዝበሉዎ ሰባት ነቲ ተማሃራይ ንከይቐብሩ መውቃዕትን ማእሰርትን ተፈጺሞዎም ኢሎም ኣለው።
ኣማሓዳር ወረዳ ኣምቦ ኣቶ ኣሰፋ ሂርኮ ኣብ ዝሃብዎ መልሲ ግን ኣብ ከተማ ኣምቦ ዝተቐትለ ሰብ የለን፤ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓሚሙ ዝሞተ ሰብ ግን ሎሚ ኣብ ኣምቦ ተቐቢሩ’ሎ ኢሎም።
ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።