ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ምዕራብ ሃረርጌ፡ ክልተ ተመሃሮ ቆሲሎም፡ ልዕሊ 20 ተኣሲሮም ይብሉ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር


ኣብ ምብራቕ ሸዋ ዩኒቨርሲቲ ኣዳማ፡ ፈደራል ፖሊስ ክልተ ተመሃሮ ቀቲሉ ይብል ሓደ ተማሃራይ'ቲ ዩኒቨርሲቲ። ኣብ`ቲ ዩኒቨርሲቲ ፍርሒ ነጊሱ ከምዘሎ`ውን ሓቢሩ።

ኣባል ፓሊስ ደረጀ ኣድነው ብወገኑ፡ ቅሩብ ረብሻ ኔሩ ግን ሕጂ ሰላም `ዩ ዘሎ ክብል ንቪኦኤ ተዛሪቡ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ምብራቕ ወለጋ ከተማ ኣያና፡ ተማሃሮ ጸሊም ክዳን ተኸዲኖም ናብ ቤት ትምህርቶም ድሕሪ ምኻድ፡ ተቓውሞን ጭርሖታትን ኣስሚዖም ከምዝተመልሱ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ሓቢሮም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG