ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሚ ሎሚ'ውን ቀፂሉ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ገለ ከባቢታት ሎሚ እውን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ቀጺሉ ከምዝውዓለ ተፈሊጡ።

ሎሚ ረቡዕ ኣብ ሂርና ምዕራብ ሃረርጌ፣ኣብ ሃሮሚያ፣ኣብ ዞባ ባሌ ከተማ ሮቤ፣ኣብ ስሬን ሻሸመኔን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከምዝነበረን ማሕረምትን ማእሰርትን ተማሃሮ ከምዝተፈጸመን ዝበጽሐና ሓበሬታ ይገልጽ።ኣብ ዩኒቨርስቲ ወለጋ ኣስከሬን ሓደ ተማሃራይ ኣብ ሩባ ተደርቢዩ ከምዝተረኽበ'ውን ካብ ተማሃሮ'ቲ ዩኒቨሪስቲን ሆስፒታልን ዝተረኽበ ሓበሬታ ይገልጽ።

ምኽትል ኣቦ-መንበር ዞባ ባሌ ኣቶ ሰለሞን ፈዩ ብዛዕባ ዝተባሃለ ሰልፍን ተፈጺሙ ዝተባሃለ እስራትን ማህረምትንን ዝፈልጡዎ ከምዘይብሎም ገሊጾም ኣለው።

XS
SM
MD
LG