ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ገለ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ሎሚ መዓልቲ’ውን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ከምዝቐጸለ ተፈሊጡ


ኣብ ዞባ ምዕራብ ሃረርጌ፣ወረዳ ኣዳ ቡልቱም ከተማ በዴሳ ሰልፈኛታት ይኣኽለና ባርነት ዝብል ጭርሖ ብምሓዝ ንተቓውሞ ከምዝወጹ ኣብቲ ሰልፊ ዝተሳተፈን ስሙ ዘይገለጸን ውልቀ-ሰብ ንሬድዮ ቪኦኤ ንክፍሊ ኣፋን ኦሮሞ ገሊጹ’ሎ።

ካብዚ ብተወሳኺ በቀለ ገርባን በቀለ ነጋን ይፈትሑ፣ ዝተኣሰሩ ተማሃሮ ይፈትሑ፣ማስተር ፕላን ይሰረዝ ዝብል ጹሑፍ ሒዞም ከምዝነበሩን በተንቲ ኣድማ ፌደራል ፖሊስ ንዝረኸቡዎ የከላብቱን ይኣስሩን ኣለው ይብል።

ኣብ ምዕራብ ሃረርጌ ከተማ ሂርና ክካየድ ዝቐነየ ተቓውሞ ኣባላት ሓይልታት ምክልኻን በተንቲ ኣድማን ብዝወሰድዎ ስጉምቲ ናብ ዝፈለየሉ ኲናት ተቐይሩ’ሎ ክብሉ ስሞም ከይጥቀስ ዝሓተቱ ሰባት ገሊጾም።ብጥይትን ብመንብዒ ጋዝን ብዘይኣፈላላይ እናቐጥቀጡ፣እናኣሰሩን ይርከቡ’ውን ኢሎም።

ኣብዚ ናይ ሎሚ ተቓውሞ ሓይልታት ጸጥታ ቁጽሮም ዘይፍለጥ ብዙሓት ሰባት ከምዘቁሰሉን ብከቢድ ዝቖሰሉ ሰለስተ ሰባት ኣብ ጭሮ ሆስፒታል ይሕከሙ ከምዘለውን ካልእ ናይ ዓይኒ ምስክር ገሊጾም።ከንቲባ ከተማ ሂርና ግን ዝተኣስሩ ሰባት የለውን፤ሓሶት እዩ፤ከተማና ሰላም እያ ዘላ ኢሎም።

ትማሊ እውን ኣብ ምዕራብ ሃረርጌ ነበርቲ ከተማ ኣሰቦት ዝተዋደደ ማስተር ፕላን ኣዲስ ኣበባ ተቓውምኦም ከምዘስምዑን ፖሊስ ቶኲሶም ከምዝበተኑዎን ኣብቲ ተቓውሞ ተሳቲፈ ዝበለ ውልቀ-ሰብ ገሊጹ።

ብዛዕባ ዝተኻየዱ ሰልፍታት ርእይቶ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይተዓወተን።

XS
SM
MD
LG