ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልተ ናይ ኦሮሞ ፖለቲካዊ ፓርታት ሓደ ኮይኖም


ኣብ ህዝቢ ኦሮሞ ይብፅሕ ኣሎ ዝበሎም በደላት ጠጠው ንኽብል እውን ፀዊዑ

ፓርትታት ኮንግረስ ህዝቢ ኦሮሞን ናይ ኦሮሞ ፊደራላዊ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስን ናይ ኦሮሞ ፌደራላዊ ኮንግረስ ብዝብል ሽም ሓድሽ ፓርቲ ምፍጣሮም ኣፍሊጦም።እቲ ፓርቲ መንግስቲ ብሽብር ንዝኸሰሶም ንኣቶ በቀለ ገርባ ናይቲ ሓድሽ ፓርቲ ምኽትል ፕሬዝዳንት ገይሩ መሪፁዎም።

ሓዱሽ ፓርቲ ንምፍጣረ ኣብ ዝተፀውዐ ጉባኤ ተኣከብቲ ካብዘውፅእዎ ምግለፂ ከምዝተገለፀ ኮንግረስ ህዝቢ ኦሮሞን ፌደራላዊ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ኦሮሞን ብውልቂ ብምቅላስ ዝተወሰነ ውፅኢት እንተመዝገቡ እውን ዝቃለስሉ ንዘለው ህዝቢ ዝደልዮ ውፅኢት ንምምፃእ ስለዘይክኣሉ እዞም ውድባት ናይ ህዝቦም ቓልሲ ኣብ ሸቱኡ ንምብፃሕ ብሓባር ንምቅላስ ሓድነት ብምፍጣር ሓደ ናይ ፖለቲካ ፓርቲ መስሪትና ኣለና ይብል።

እቲ መግለፂ ሕዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣለው ዝበሎም ዓብየቲ ፖለቲካዊ፡ኢኮኖሚያውን ማሕበራውን ሽግራት ዘንፀባረቐን ንመፍትሒኦም ፃውዒት ዘቕረበን እዩ።ምንጪ እቶም ሽግራት ገዛኢ ፓርቲ ኢህወድግ እዩ ይብል።

እቲ ናይ ሓባር መግለፂ ኢትዮጵያ ተቐቢላ ኣብ ሕገመንግስታ ዘፅደቐቶም ዓለምለኸ ሰነዳት ሰብኣውን ዴሞክራሲያዊን መሰላት ኢህወደግ ብምጥሓስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ እናብፅሖ ዝርከብ ተግባራት ምንክልባት፡ምፍርራህ፡መግረፍቲ፡ ማእሰርትን መቕተልትን ብቕልጡፍ ጠጠው ንኸብል ብኣፅንኦት ንፅውዕ ይብል።

ናይ ኦሮሞ ህዝቢ ባህልን ቛንቛን ንምምዕባል ኦሮምኛ ብህፁፅ ናይ ፈዴራል ናይ ስራሕ ቛንቛ ንክኸውን እውን ፀዊዑ’ሎ።

ኣቦመንበር ብምዃን ዝተመረፁ ዶክተር መረራ ጉዲና ነታ ሃገር ይኹን ንሓድሽ ፓርቶም ቀንዲ ፈተና ፖሊስን ኣሰራርሓን ኢህወደግ እዩ ክብሉ ይኸሱ።

እቲ መስራቲ ጉባኤ ብኣቦመንበርነት ዶክተር መረራ ጉዲና፡ብምኽትል ኣቦ ምነበርነት መንግስቲ ብሽብር ኸሲሱ ዝኣሰሮም ኣቶ በቀለ ገርባ ብዋና ፀሓፍነት ድማ ኣቶ በቀለ ነጋ መሪፁ’ሎ።

እቲ ውህደት ትማሊ ክፍፀም እንተሎ ተወከልቲ ሃገራዊ ምርጫ ቦርድን ካልኦት ተወከልቲ ተቓወምቲ ፖለቲካዊ ፓርትታትን ተረኺቦም ነይሮም።

XS
SM
MD
LG