ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተወላዶ ኦሮሞ ነበርቲ ኣመሪካ ኲናት ደው ክብል ይጽውዑ


ካብ በበይኑ ክፍለ-ሃገራት ኣመሪካ ዝተኣኻኸቡ ተወላዶ ብሄረ-ኦሮሞ፡ ኣብቲ ክልል የጋጥም ኣሎ ንዝበሉዎ መቕተልቲ ደው ክብልን ዘላቒ መፍትሒ ክግበርን ዝጽውዕ ሰላማዊ ሰልፊ ሎሚ 21 ታሕሳስ 2023 ኣብ ቅድሚ ቤት ጽሕፈት ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣካዪዶም።

ተሰለፍቲ፡ እቲ ዝተፋላለየ ጎንጺ መዕረፊ ክግበረሉ፡ መንግስቲ ኣመሪካ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ እትልግሶ ኣላ ዝበሉዎ ሓገዝ ደው ከተብሎን ነቲ ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ዝግበር ሓገዝ ናብ ተጠቀምቲ ክበጽሕ ዝጽውዕን’ዩ። እቶም ተሰለፍቲ ዘለዎም ስምዕታ ብጽሑፍ ንተወካሊ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ከም ዘረከቡ ተፈሊጡ ኣሎ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ግን ነቲ ደብዳብ ካብ ምቕባል ሓሊፉ ዝኾነ ምላሽ ከም ዘይሃበ ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተሳተፉ ኣባላት ድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።

ድምጺ ኣመሪካ ኣብዚ ጉዳይ ምላሽ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኣመሪካ ንምርካብ ዝግበሮ ፈተነ ዛጊት ግብረ-መልሲ ኣይረኸበን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG