ዋሽንግተን —
ኣብ`ዚ ኣብ ዋሺንግተ ዲሲን ከባቢኣን ዝነብሩ ተወላዶ ኦሮሞ፡ ኣብ ኣፍደገ ባይቶ ኣሜሪካ፡ ሚንስትሪ ወጻኢ፡ ቤተመንግስትን ዋይት-ሃውስን ሰለማዊ ሰልፊ ብምክያድ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ናይ ተቓውሞ ድምጾም ኣስሚዖም። ኣብ ለንደን ንዝተኻየደ ካብ ዝወደቡ ሓደ፡ ኣቶ እምሩ ኢታና፡ መንግስቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኦሮሞ ዝገብሮ ጭፍጨፋ ንምቅዋም ኢና ወጺእና ይብል።
“መንግስቲ ሕወሓት ኣብ ህዝቢ ኦሮሞ ዝፍጽሞ ጭፍጨፋ፡ ብፍላይ ድማ ካብ ቐረባ ግዜ ንድሓር ፡ኣብ ሞያሌ፡ ኣብ ኣምቦ፡ ደንቢደሎ፡ ነቀምቴ፡ ኣብ ባሌ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት፡ ንህዝብና ይጥቅዕ ስለዘሎ፡ እዚ ኣብ ህዝቢ ኦሮሞ ወሪዱ ዘሎ ሽግር፡ ንመንግስቲ እንግሊዝ ንምግላጽን ኣብ ልዕሊ`ቲ መንግስቲ ጸቕጢ ንኽገብርን ንምሕታትን ኢና ሰልፊ ወጺእና“። መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝህቦ ምላሽ ኣይተረኽበን።