ኣብ በበይኑ ክፍለ-ሃገራት ኣመሪካ ዝርከቡ ተወላዶ ኦሮሞ፡ ሲቪካውያን ማሕበራት፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ከምኡ’ውን ነቲ ብሄር ዝሕለቑ ማሕበራት ሎሚ ክልተ ወገናት ኣብ ዝጸሓፉዎ ቅሉዕ ደብዳበ፡ መስርሕ ዘተ ሰላም ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ፈደራላዊ መንግስቲን ንምቕጻል ድፍኢት ክግበሩ ተማሕጺኖም።
እቲ ቅሉዕ ደብዳበ፡ ኣብ ካልኣይ ዙር ዘተ ሰላም ዳሬሰላም ታንዛኒያ እኹል እምንቶን ጽቡቕ ተስፋን ኣንቢሮም ዝነበሩ ወገናት፡ ሃንደበት ብዘይ ፍረ ድሕሪ ምብታኑ ዝተሰምዖም ሓዘን ብምግላጽ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያን እቲ ክልልን ሰፊኑ ዘሎ ስእነት ሰላም ብዘተ ጥራይ ኣብ መኸተምታ ክበጽሕ ከም ዝኽእል ዘለዎም እምነት ኣካፊሎም።
እቲ ቅሉዕ ደብደበ፡ ብኽልቲኦም ወገናት ኣቐዲሙ ዝወጽአ ኣተስፋዊ መግለጺ ብምጥቃስ፡ ንዕኡ ተኸቲሎም’ውን ክልተ ኣካላት ፍልልያቶም ብምጽባብ ነቲ ዘሎ ሽግር ክፈትሑ ተማሕጺኑ። ንጸሓፊ ኢጋድ ዶክተር ወርቅነህ ገበየሁ ዘቕረቦ ዘተ ናይ ምቕጻል ተስፋ ብምጥቃስ ድማ ክልቲኦም ኣካላት ደጊሞም ናብ ዘተ-ጠረጴዛ ክምለሱ ጸዊዑ።
እቲ ናብ ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳድር ማይክ ሃመር ሓዊሱ ብቕዳሕ ዝተላእከ ደብዳበ ድማ ዝመልከቶም ኣካላት ነቲ ጉዳይ ኣብ መፈጸምታ ንምብጻሕ ጸቕጢ ክገብሩን ዝከኣሎም ተጽዕኖ ከሕድሩን ኣዘኻኺሩ።
ቅጥዒ