ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኬንያ ዝነብሩ ተወላዶ ኦሮሞ መንግስቲ ብፖሊስ ኬንያ ጸቕጢ ይፈጥረልና ኣሎ ክብሉ ይኸሱ


ኣብ ኬንያ በዓል እሬቻ ዘኽብሩ ዝነበሩ ተወላዶ ኦሮሞ

ኣብ ኬንያ ከተማ ናይሮቢ ዝነብሩ ማሕበረሰብ ስደተኛታት ተወላዶ ኦሮሞ ብድፍኢት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዙሕ በደል ይፈፅመና’ሎ ኢሎም።ፀሓፊ ናይቲ ማሕበር ኣቶ ፈቃዱ ደሪባ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ናይሮቢ ዝኾነ ይኹን ኣኼባ ከይንገብር ተኸልኪልና ኣለና ኢሎም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ፖሊስ ኬንያ ብምዃኑ ኣብ ልዕሊ ስደተኛታት ተፅዕኖ ይፈጥር ኣሎ፤ሲቲ ፓርክ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ቦታ በዓል እሬቻ ይኽበር ነይሩ፣ፖሊስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እቲ በዓል የኽብሩ ንዝነበሩ 42 ሰባት ኣሲሩ ሎሚ ዓመት እውን ፍቓድ ከልኪሉ ኢሎም።ርእይቶ ፖሊስ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን።

ናይ ኬንያ ፖሊስ ብምጥቓም ፀቕጢ ይፈጥር ኣሎ ናይ ዝተበሃለ ጉዳይ ብዝምልከት ኣብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ሰራሕተኛ ህዝባዊ ዲፕሎማሲን ህዝባዊ ርክብን ኣቶ ሃብታሙ ባየ ቀንዲ ተልእኾ ኤምባሲ ኣብ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ርክባት ምሕያልን ኣብ ናይሮቢ ዝነበሩ ኢትዮጵያዊያንን ትውልደ ኢትዮጵያዊያንን ዘጋጥሙዎም ፀገማት ምፍታሕን እምበር ከምዚ ዝበለ ፀገም ዝፈጥረሉ ምኽንያት የለን ኢሎም።

ኣብ ናይሮቢ ካብ ዝነብሩ ኣሕዋትና ተወለድቲ ኦሮሞ በዓል እሬቻ ነኽብር ኢና’ሞ ሓገዝ ግበሩልና ዝብል ሕቶ ኣይቀረበን፤ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ወታደራት ይኹን ፖሊስ የብሉን፤ሓይልታት ፀጥታ ልኢኹ ዘረፈራርሐሉ ዋላ ሓደ ምኽንያት እውን የለን፤ዝቐርብ ዘሎ ክሲ እውን መሰረት ዘይብሉ እዩ ኢሎም ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣ'ሞ! ብመሰረት ክወሃብ ዝጸንሐ ሓበሬታታት ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ሶማል ዝጸንሓ መርገጺ

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG