ኣብ ኣምቦን ከባቢኡን ካብ 17 ዘይውሕዱ ሰባት ከምዝተቐተሉ ናይ ኦሮሞ ፌደራላዊ ኮንግረስ ፓርቲ ንናይቲ ከባቢ ምንጭታት ብምጥቓስ ኣፍሊጡ።እቲ ፓርቲ ሎማዕንቲ ኣብዘውፅኦ መግለፂ መንግስቲ ኢህወዴግ ነዚ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ተሓታቲ እዩ ኢሉ’ሎ።
ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ሎማዕንቲ እውን ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ምክያዶም ንቪኦኤ ሓበሬታ በፂሑዎ’ሎ።
ነበርቲ ኣምቦ ምዃኖ ዝገለፁ ካልኦት ሰባት እውን እታ ከተማ ሎማዕንቲ ፀጥ ኢላ ዝወዓለት’ዃ እንተኾነት ወጥሪ ከምዘሎን እታ ከተማ ብሓይልታት ምክልኻል ትሕሎ ከምዘላን ሓቢሮም።
ኣብ ከባቢታት ጉደርን ጥቁርእጭኔን ፀጥታ ዘይምህላው ዝሕብሩ ኩነታት ኣለው ኢሎም ኣለው።ብመሰረት ኣገላልፃ እዞም ነበርቲ ሰባት ዝፅዓና መኻይን ብፖሊስ ተዓጂበን ካብ ጥቁርእንጪንን ጉደርን ኣምቦ ናብዝርከብ ቤት ማእሰርቲ ከምርሓ ተራእየን ኣለዋ።ኣምቡላንስ እውን ናብ ሆስፒታል ክመላለሳ ከምዝተርኣያ ሓቢሮም።
ናይ ኦሮሞ ፌደራላዊ ኮንግረስ ንናይቲ ከብቢ ምንጭታት ብምጥቓስ ንቪኦኤ ኣብዝሃቦ መግለፂ ኣብ ጉደር ሽዱሽተ ሰባት ኣብ ከተማ ኣንቦ ድማ 11 ሰባት ተቐቲሎም ኣለው ይብሃል ኣሎ ኢሎም።ቁፅሪ ናይ ዝሞቱ ሰባት ብርግፀኝነት ንምዝራብ ግን ኣፀጋሚ እዩ ይብሉ ኣመራርሓ እቲ ፓርቲ።
እቲ መግለፂ ብምውሳኽ ኣብ ኣምቦ፣ነቀምቴ፣ግንቢ፣መቱ፣ኣብ ኣዳማ፣ኣብ ባሌሮቤ፣ኣብ ቡሌሆራን ኣብ ካልኦትን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ብዝተወሰደ ናይ ሓይሊ ስጉምቲ ናይ ህይወት ምጥፋእን ናይ ንብረት ዕንወትን ስዒቡ’ሎ ይብል።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወግኑ ኣብዘውፅኦ መግለፂ ዝተወሰኑ ካባቢታት ኣዲስ ኣበባ ናብታ ከተማ ንምሕውሳ ንዝወፀ ትልሚ ብበለካ ለኽዐካ ዝተወናበዱ ዝተወሰኑ ተምሃሮ ብዝፈጠርዎ ህውከት ኣብቲ ክልል ኣብዝርከቡ ዝተውሰኑ ዩኒቨርስታትን ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ጉድኣት ከምዝበፅሐ ሓቢሩ።
ብምኽንያት ሓይሊ ዝተሓወሶ ዕግርግር ዝበሎ ግጭት ኣብ መዳ ወላቡ ህይወት ሰለስተ ተምሃሮ ምጥፍኡ ሓቢሩ’ሎ መግለፂ መንግስቲ።ብፍላይ ድማ ኢሉ እቲ መግለፂ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣምቦ ብዝተልዓለ ህውከት ናብታ ከተማ ብምስፋሕ ክሳብ ሎሚ ብዘሎ ሓበሬታ ኣብ ከተማ ኣምቦ ዝርከብ ባንኪ ቢዝነስን ኮንስትራክሽንን ብዝተፈተነ ናይ ምዝራፍ ፈተነ ኣብ ከተማታት ኣምቦን ቶኬኩዮን ህይወት ሽውዓተ ሰባት ምጥፍኡን ኣብ ልዕሊ እቲ ባንኪ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ ንብረት መንግስትን ህዝብን ጉድኣት ምብፅሑ ኣይዝርዝር እቲ መግለፂ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ሃረማያ እውን ንግዚኡ መንነቶም ዘይተፈለጡ ሰባት ኣብ ልዕሊ ብቴሌቪዥን ፀዋታ ኩዕሶ እግሪ ይሪእዩ ዝነበሩ ተምሃሮ ብዝተደርበየ ቦምብ ናብ 70 ዝኾኑ ቆሲሎም ሓደ ድማ ከምዝሞተ መግለፂ መንግስቲ ይሕብር።
ህውከት ዝተልዓለለን ዩኒቨርስታት ብሓይልታት ፌደራልን ክልልን ተረጋጊኡ’ሎ እውን ኢሉ’ሎ እቲ መግለፂ።