ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራን ክልል ዓፋርን ኣብ መንጎ ዝነብሩ ክልተ ጎረባብቲ ቀበሌታት ብዝተፈጥረ ጎንጺ 12 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዞባ ሰሜን ወሎን ኣብ ክልል ዓፋርን ዝነብሩ ጎረባብቲ ክልተ ቀበሌታት ጎንጺ ተፈጢሩ 12 ሰባት ከምዝተቐትሉ ናይ ክልቲኡ ነበርቲ ገሊጾም።

ነቲ ጎንጺ መሰረታዊ ፍታሕ ዝህብ አካል ስለዘየለ ዝጠፍእ ህይወትን ዝስደድን በዚሑ’ሎ ኢሎም።

ከምዚ ዓይነት ጎንጺ ዘጋጥምን ክጋጨውን ክዕረቑን ዝጸንሑ’ኳ እንተኾነ እዚ ናይ ሎሚ ግን ዝመረረን ህይወት 12 ሰባት ዘጥፈአን ምኳኑ ገሊጾም።

ነበርቲ ምምሕዳርን’ቲ ከባቢ ነቲ ጸገም ብሽምግልና ንምፍታሕ ጻዕሪ ይገብሩ ከምዘለው ገሊጾም።

XS
SM
MD
LG