ደሴ —
ካብ ምብራቓዊ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝወስድ መንገዲ ኣባላት ጸጥታ ክልል ኦሮሚያ ዕንቅፋት ይፈጥሩ ከም ዘለዉ ገያሾ ኣማሪሮም።
እቲ ምዕጻው መንገዲ ዓመታዊ ንዝኽበር በዓል ኢረቻ ንምኽባር ምቅርራብ ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን ምዃኑ ይግለጽ ኣሎ።
እቲ ምዕጻው መንገዲ ቆጸራ ሕክምና ንዘለዎም ተጎዓዝቲ ከይተረፈ ይጸልው ምህላው ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም ኣለዉ።
ነቲ ተግባር ዝተቓወመ ምምሕዳር ዞባ ሰሜን ሸዋ ክልል ኣምሓራ ፡ ጽርግያታት ፈደራል፡ ብፈደራል`ምበር ብሓይልታት ጸጥታ ክልላት ክሕሎ ኣይግባእን`ዩ ኢሉ`ሎ።
ዋና ዳይሬክተር ትራስፖርትን መሳለጥያን ክልል ኣምሓራ ምስ ኣብያተ ጽሕፈት ኦሮሚያን ኣዲስ ኣበባን ነቲ ዕጽዋ ከም ዝተዘራረበሉን፡ፍተሻ`ምበር ክልከላ ኣይገበርናን ዝብል ምላሽ ከም ዝተዋህቦምን ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ`ሎ።
ምኽትል ሓላፊ ቤት-ጽሕፈት ሰላምን ጸጥታን ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ኣበበ ገረሱ`ውን፡ ጸጥታ ተጎዓዝቲ ንምኽባር ንፍትሽ ኣለና`ምበር መንገዲ ኣይዓጸናን ዝብል ምላሽ ሂቡ`ሎ።
ኢረቻ ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝዓበየ ባህላዊ በዓል ተወላዶ ኦሮሞ፡ ኣብ ቀዳምን ሰንበትን ኣብ ኣዲስ ኣበባን ደብረዘይትን ከምዝኽበር ተፈሊጡ'ሎ።
ቅጥዒ