ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ገለ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ሎሚ’ውን ናይ ተማሃሮ ተቓውሞ ከምዝተካየደ ተገሊጹ


ኣብ ገለ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ሎሚ’ውን ተማሃሮ ተቓውሞ ከምዘካየዱ ካብ ድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ኣፋን ኦሮሞ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ገሊጹ።

ኣብ ምዕራብ ሸዋ ተማሃሮ ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ቤት ትምህርቲ ጀልዱ ዝተኣሰሩ ተማሃሮን ክሳብ ዝፍትሑን ንዝተቐትሉ ድማ ካሕሳ ክሳብ ዝወሃብን ኣይንምሃርን ክብሉ ነቲ ቤት ትምህርቲ ገዲፎም ምውጽኦምን ካብ ዝሓለፈ ሓሙስ ጀሚሮም ተቓውሞ ከስምዑ ምጽንሖም ነባሪ እቲ ከባቢ ገሊጾም።

ብተመሳሳሊ ኣብ ዞባ ጉጂ ከተማ ሃር ቀሎ ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርቲ ዝመሃሩ ተማሃሮ ናይ ሸኽ ኣላሙዲ ናይ ወርቂ ፕሮጀክት ደው ይበል፣ዝተኣሰሩ ይፈትሑ ክብሉ ሎሚ ሰኑይ ሰልፊ ምውጽኦም ገሊጾም።

ብዙሓት ተቐጥቂጦም ኣብታ ከተማ ናብ ዝርከብ ማእኸል ጥዕና ከምዝተወስዱ፣ካልኦት ብዙሓት እውን ከምዝተኣሰሩን እታ ከተማ ኣብ ዝለዓለ ሓለዋ ከም እትርከብን ካብቶም ተማሃሮ ሓንቲ ዘዘራረብናያ ገሊጻ’ላ ይብል ጸብጻብ ክፍሊ ኣፋን ኦሮሞ።

ካብ ሰበስልጣን መልሲ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ግን ኣይሰለጠን።

XS
SM
MD
LG