ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝረኣ ጭውያን መቕተልቲ ሰባት ፍታሕ ከናዲ ተቓወምቲ ፓርቲታት ኢትዮጵያ ጸዊዖም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ዝጋደድ ዘሎ ቅትለትን መጭወይቲን ሰላማውያን ሰባት ብዝምልከት መንግስቲ ፍታሕ ዘምፅእ ስጉምቲ ክወስድ ተቃወምቲ ፓርቲታት ፀዊዖም።

ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ'ዩ ነቲ ቅትለትን ጭወያን ተሓታቲ ዝበለ ፓርቲ ኢዜማ መንግስቲ ብወታሃደራዊ ወፍሪ ነቲ ተግባር ክከላኸል ሓቲቱ'ሎ። መንግስቲ ነቲ ተግባር ዕሽሽ ኢሉዎ ክብሉ እውን ሓላፊ ርክብ ህዝቢ እቲ ፓርቲ ዶ/ር ሙሉኣለም ተገኘወርቅ ነቒፎም'ለዉ።

ኣቦ መንበር ፓርቲ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ብወገኖም ኣብቲ ተግባር ቅትለትን ጭወያን ዝተፈላለዩ ኣካላት ከምዝተኻፈሉ ገሊፆም: ነፃ መርመራ ክግበር ሓቲቶም'ለዉ።ንሶም ወሲኾም እቲ ፀገም ዝፍታሕ ብኹሉ ሓቆፍ ፖለቲካዊ ልዝብ እዩ ክብሉ እዉን ሓቢሮም።

ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ካብ ፈደራል መንግስቲ ምላሽ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይሰለጠን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG