ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ መራሕቲ ሃይማኖት ክልል ኦሮሚያ ብዋሕስ ተፈቲሖም


"መንበረ ጴጥሮስ" ዝተባህለ ናይ ክልል ኦሮምያ ሲኖዶስ ከም ዝመስረቱ ወግዓዊ ድሕሪ ምግባሮም ካብ መወዳእታ ወርሒ ጥሪ ተኣሲሮም ዝጸንሑ 10 መራሕቲ ሃይማኖት ካብ ማእሰርቲ ብዋሕስ ከም ዝተለቕቑ ጠበቓ እቶም ክሱሳት ኣቶ ዮሃንስ ጌታሁን ንድምጺ ኣመሪካ ገሊጹ።

እቶም ኣብ ከተማ ሸገር ተኣሲሮም ዝጸንሑ ኣቦታት ንምስረታ ሲኖዶስ ክልል ኦሮሚያ ኣመልኪቶም መግለጺ ድሕሪ ምሃቦም’ዮም ኣብ ቀይዲ ጸኒሖም።

ንሓደ ወርሒን 10 መዓልታት ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሑ መራሕቲ ሃይማኖት ነፍሲ ወከፎም ብ5-ሽሕ ብር ዋሕስ ካብ ማእሰርቲ ምፍትሖም ጠበቓኦም ወሲኹ ሓቢሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG