ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ዘተ ሰላም ክቕጽል ዝተፈላለዩ ኣካላት ደግፎም ከበርክቱ ጸዊዑ


ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኮሚኒኬሽን ክልል ኦሮምያ ሃይሉ ኣዱኛ
ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኮሚኒኬሽን ክልል ኦሮምያ ሃይሉ ኣዱኛ

ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞን ዝተጀመረ ዘተ ሰላም በርቲዑ ክቕፅል ከምዝግበኦ መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ገሊፁ። ከምኡ’ውን እቲ ኣብ ታንዛንያ ዝተጀመረ ዘተ ሰላም ንኽዕወት ፓርቲታት ፖለቲካ ፣ ምሁራን፣ ሽማግለታት ዓድን ህዝብን ግቡኦም ከበርኽቱ ፀዊዖም።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኮሚኒኬሽን ክልል ኦሮምያ ሃይሉ ኣዱኛ ሎሚ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ መንግስቶም ፍልልያት ብዘተ ንምፍታሕ ዝብል መርገጺ ከምዘለዎን ስእነት ሰላም እቲ ክልል ምሉእ ብምሉእ ክፍታሕን ህዝቢ ሃዲኡ ናብ ንቡር መነባብሩኡ ኽምለስ ኣዝዩ ኣገዳሲ ምዃኑን ገሊፆም።

ኣብ መንጎ መንግስትን ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞን ዝተጀመረ ዘተ ሰላም ኣመልኪቶም ዝተፈላለዩ ኣካላት ሰናይ ጅማሮ ምዃኑ ክገልፁ ምፅነሖም ዝፍለጥ ኮይኑ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ “እቲ ጎንፂ ዘላቒ ሰላም ብዘምፃኣሉ መገዲ ደው ንኽብል ክልቲኦም ኣካላት ኣብ ቀፃልነት እቲ ዘተ ተሰማሚዖም” ኢሉ።

ሰራዊት ናፅነት ኦሮሞ’ውን ኣብ ቀፃልነት እቲ ዘተ ሰላም ኣመልኪቱ ተመሳሳሊ ሓሳብ ገሊፁ እዩ።

ዝቕጽል ዙር እቲ ዘተ ግን መዓዝ ከምዝካየድ ክልቲኦም ኣካላት ዝሃብዎ ሓበሬታ የለን።

ኣብቲ ቀዳማይ ዙር ዝነበረ ዘተ ኣብ ገለ ነጥብታት ከይተስማዕምዑ ምዝዛሙ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተገለፀ ኾይኑ ዝርዝር እቶም ዘይተሰማምዕሎም ጉዳያት ግን ኣይሓበሩን።

XS
SM
MD
LG