ኣምቦ —
ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ኣብቲ ክልል ምሉእ ሰላም ክሰፍን ኩሎም ኣማራጺታት ይትግብር ከምዘሎ ገሊፁ። ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ሃይሉ ኣዱኛ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ ኣብ መንጎ መንግስትን ሰራዊት ነፃነት ኦሮሞን ይካየድ ዘሎ ልዝብ ብዝምልከት ተሓቲቶም ክምልሱ ከለው ሎሚ እውን ብወገን መንግስቲ ሰላም ናይ ምፍጣር ድልየት ኣብ ቦቱኡ እዩ ዘሎ ክብሉ መሊሶም።
ብሰንኪ ፀጥታ ካብ ክልል ኦሮሚያ ተመዛቢሎም ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከቡ ተመዛበልቲ ናይ ምፍላይ ስራሕ ከምዝተጀመረ'ውን ኣቶ ሃይሉ ገሊጾም።
ቅጥዒ