ኣብ ወረዳ ኣሙሩ--ሆሮ-ጉዱ ዞባ ወለጋ ተኣሲሮም ዝርከቡ ኣስታት 130 ዜጋታት ሸውዓተ ኣዋርሕ ሓሊፉ ዛጊት
ናብ ቤት ፍርዲ ዘይምቕራቦም ስድራቤቶም ኣዝዮም ከም ዝተሻቐሉ ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ወገናት ገሊጾም። ካብ መንጎ’ቶም ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ስድራቤታት “ደቅኹም ምስ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ተሓዊሶም፡” ዝብል ክሲ ብሰብ-መዚ ከም ዝተነግሮም ሓቢሮም። እንተዀነ ወግዓዊ ፍርዳዊ መስርሕ ግን ዛጊት ኣይጀመሩን።
እቶም ናብቲ ዕጡቕ ሰራዊት ዝተሓወሱ ኣባላት ስድራ ክሳብ ዘይተመልሱ ኣብ ማእሰርቲ ክጸንሑ ምዃኖም እቶም ሰብ-መዚ ከም ዘፈራረሑ’ውን ስድራቤት እቶም እሱራት ንድምጺ ኣመሪካ ሓቢሮም።
ድምጺ ኣመሪካ ካብ ወሃብ-ቃል ክልል ኦሮሚያ ሃይሉ ኣዱንያ ከምኡ’ውን ካብ ኣመሓደርቲን ሰብ-መዚን እቲ ወረዳን ዞባን ግብረ-መልሲ ንምስማዕ ዝግበሮ ተደጋጋሚ ፈተነ ዛጊት ኣይቀንዖን። እንተዀነ ተኸታታሊ ኣባል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ጨንፈር ጅማ ዝዀነ ባዳሳ ለመሳ ብዛዕባ ማእሰርቲ እቶም ስድራቤታት ሓበሬታ ከም ዘለዎን ንጉዳዮም ምስ ዝምልከቶም ሰብ-መዚ ክዝትየሉ ምዃኑ ምሕባሩን ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢራ።
ቅጥዒ