ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ሃረርጌ ዕጡቓት ክልል ሶማሌ ክልተ ሰብ ከምዝቐተሉን አባይቲ ከምዘንደዱን ተሓቢሩ


ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምዕራብ ሃረርጌ ሎሚ ዕጡቓት ክልል ሶማሌ ኣጥቂዖም ክልተ ሰብ ከምዝቐተሉ ልዕሊ 80 አባይቲ ከምዘንደዱን ወሃቢ-ቃል ክልል ኦሮሚያ ንቪኦኤ ሓቢሩ።

ኣብ ዞባ ምዕራብ ሃረርጌ፡ ወረዳ ሓዊ ጉዲና፡ ዕጡቓት ክልል ሶማሌ ኣትዮም ውግእ ብምኽፋት ልዕሊ 80 ኣባይቲ ሓረስቶት ከም ዘንደዱን፡ ክልተ ሰባት ማለት ሓደ ፖሊስን ሓደ ዕጡቕ ቀበሌን ከም ዝተቐተሉን ሓላፊ ኮምንኬሽን`ቲ ዞባ ኣቶ ዓብደረዛቕ ኣሕመድ ሓቢሩ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ምዕራብ ወለጋን ምብራቕ ወለጋን፡ ሎሚ ሓሙስ ነበርትን ተመሃሮን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ጌሮም ኔሮም፡ “ቕትለት ደው ይበል፡ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ጎኒ ህዝቢ ይኹን “፡ ዝብል መልእኽትታት የሰምዑ ኔሮም።

ምሉእ ጸብጻብ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል፡

XS
SM
MD
LG