ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ሓንቲ ነብሰ-ጾር ሰበይቲ ብጥይት ወተሃደራት መንግስቲ ከም ዝተቐተለት ይግለጽ ኣሎ


ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ፡ ከተማ ቆቦ ትማሊ ለይቲ ሓንቲ ነብሰ-ጾር ሰበይቲ ብጥይት ሰራዊት ምክልኻል ከም ዝተቐተለት ሓፍታ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢራ። እታ ኣያንቱ መሓመድ ዝተባህለት ሰበይቲ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ነብሰ-ጾር ከም ዝነበረት`ውን ተገሊጹ`ሎ።

ኣደ ሓደ ቆልዓን ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ነብሰ-ጾርን ኣያንቱ መሓመድ፡ ኣቀታትላኣ ኣዘራራቢ ኮይኑ`ሎ። ሓፍታ፡ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ንኸፈጽሙ ካብ ዝተዋፈሩ ኣባላት ምክልኻል ሓደ ከምዝቐተላ ኣብ`ቲ ከባቢ ዝነበረ ሰብ ከምዝነገራ ትገልጽ።

ኣብ`ቲ እዋን፡ ተሓቢእና ንርኢ ኔርና ካብ ዝበሉ ሓደ ሽሙ ክገልጽ ዘይደለየ ነባሪ፡ ከምዚ ክብል መስኪሩ “ 3 ኣባላት ምክልኻል ሒዞም ክዕምጽዋ ምስደለዩ `ግደፉኒ በዓልቲ ሓዳር`ያ፡ ነብሰ-ጾር`የ` ኢላ ምስ ኣበየቶም ብጥይት ደፊኦማ ኸይዶም ኢሎም።”

ኣያንቱ፡ ብክልተ ጥይት ርእሳ ተሃሪማ ምሟታ ናይ ኣስከሬን መርመራ ከምዘርኢ ሰብ-ሞያ ሕክምና ገሊጾም ኣለዉ።

ናይ`ታ ከተማ ከንቲባ ብወገኑ፡ በቲ ቕትለት ካብ መንጎ ዝጥርጠሩ ኣባላት ምክልኻል ሓደ ተታሒዙ ከምዘሎ ሓቢሩ`ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ሓንቲ ነብሰ-ጾር ሰበይቲ ብጥይት ወተሃደራት መንግስቲ ከም ዝተቐተለት ይግለጽ ኣሎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:51 0:00

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒ ህልው ኩነታት ሰላም ኢትዮጵያ ከመይ ይግምገም

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG