ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ኣብ ምዕራብ ሸዋ ወረዳ ጁባት ኣብ ዝተኻየደ ተቃውሞ ሓደ መንእሰይ ሞይቱ ይብሉ ወለዱ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ኣብ ምዕራብ ሽዋ ወረዳ ጁባት ከተማ ሸነን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ሓደ መንእሰይ ትሕቲ ዕድመ ብጥይት ተወቒዑ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ስድርኡ ገሊጾም።

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ኣብ ምዕራብ ሽዋ ወረዳ ጁባት ከተማ ሸነን ብቅድሚ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ሓደ አበበ ለታ ዝተባህለ መንእሰይ ትሕቲ ዕድመ ብሓይልታት ጸጥታ ብጥይት ተወቂዑ ብጽኑዕ ድሕሪ ምቁሳሉ ሎሚ ህይወቱ ከምዝሓለፈን ከም ዝተቀብረን ስድርኡ ንቪኦኤ ገሊጾም።

ንኻልእ ወገን ኸኣ ተቓዋሚ ፓርቲ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ኣባላትና ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኦሮሞ ተአሲሮም መጺኦም ኣብ ማእከላዊ ኣትዮም ኣለው ኢሉ።ተአሲርም ዝርከቡ አባላት ኣመራርሕኡ ግን ስድርኦም ክበጽሕዎም ከምዝኽእሉ ገሊጹ። ነቲ ጸገም ነባሪ ፍታሕ ንከምጽእሉ ንቀዳማይ ሚኒስትር ሃይለማርያም ደሳለኝን ካልኦት ሰበ-ስልጣን መንግስቲን'ውን ሓቲቱ'ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኢትዮጵያ፡ኣብ ምዕራብ ሸዋ ወረዳ ጁባት ብዝተኻየደ ተቃውሞ ሓደ መንእሰይ ሞይቱ
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:07 0:00

XS
SM
MD
LG