ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኦሮምያ፡ ሚኤሶ ዝተኻየደ ሰልፊ ተኻፊሉ ዝተባሃለ ሓደ መንእሰይ ብፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ተቐቲሉ ይብሉ ነበርቲ


ኣብ ክልል ኦሮሚያ ቅድሚ ክልተ ወርሒ ዝጀመረ ተቓውሞ ሎሚ'ውን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ከምዝቐጸለ ቪኦኤ ዘዘራረቦም ምንጭታት ገሊጾም።

ኣብ ዞባ ሃረርጌ ከተማ ሚኤሶ ቀዳም ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ተኻፊሉ ዝተባሃለ ሓደ መንእሰይ ብፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ተቐቲሉ ክብሉ ነበርቲ ክገልጹ ኸለዉ ፡ ኣመሓዳሪ'ቲ እቲ ወረዳ ግን ኣሉታ መልሲ ሂቦምሉ ኣለው።

ብኻልእ ወገን ሓደ ሕብረት ተዛረብቲ ኦሮሞኛ ወንጌላዊት ቤተ-ክርስትያን ዳያስፖራ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘሎ ኩነታት ብዝምልከት ምስ ሓለፍቲ ሚኒስትር ወጻኢን ወከልቲ ህዝቢን ዩናይትድ ስቴትስን ኤምባሲ ኢትዮጵያን ምዝርራቡ ገሊጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG