ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

አብ ኽልል ኦሮምያ ዝተቐትሉ ሰባት ኤፍኮ 85 -ሁማን ራይትስ ብዉሑዱ 75 መንግስቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝበሎ ድማ 5'ዮም

  • መለስካቸው ኣምሃ

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ቅድሚ ሰለስተ ሰሙናት ብዝጀመረ ህውከት ዝሞቱ ሰባት 85 ምብጽሑ ዋና ጸሓፊ ፌደራሊስ ኮንግረስ ኦሮሞ ኣቶ በቀለ ነጋ ገሊጾም።

ኣባላት ፓርቲ ፌደራሊስ ኮንግረስ ኦሮሞ ይእሰሩ ከምዘለውን ዋና ጸሓፊ ኣቶ በቀለ እውን ብብሕቲ ናይ መወዳእታ መጠንቀቕታ ከምዝተዋሃቦምን ተዛሪቦም ኣለው።

ብዛዕባ ብዝሒ ዝሞቱ ሰባት ኤፍኮ 85 ክብል ከሎ ሁማን ራይትስ ዎች ድማ ብዉሑዱ 75'ዮም ኢሉ። መንግስቲ ቅድም ክብል ሓሙሽተ ሰባት ምሟቶም ምግላጹ ይዝከር፡ ካልእ ዝተወሃበ ሓድሽ ሓበሬታ ግን የለን።

ምሉእ ትሕዝቶ አብዚ ምስማዕ ይኸአል።

XS
SM
MD
LG