ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ፣ ከተማ ኣሰላ፣ዞባ ጉጂ፣ ወረዳ ሃርቀሎን ኣብ ዞባ ወለጋ ሆሮጉድሩን ወረዳ ኢበንቱን፣ ንተማሃሮን ነበርትን ምእሳርን ምቅጥቃጥን ቀጺሉ ከምዘሎ፣ እተን ከተማታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሰራዊት መከላኸሊ ከምዝለዋን ተገሊጹ።

ነበርቲ ኣሰላ ከምዝገለጽዎ፣ ተማሃሮ ኣብ ዝተፈላለዩ መዓልታት ኣብ ዘካየድዎ ሰልፊ፣ ማስተር ፕላን ኣዲስ ኣበባን ኣብ’ቲ ክልል ኣሎ ዝበልዎ ማእሰርቲ ተቃዊሞም።

ኣማሓዳሪ’ቲ ከተማ ብንጹር ዝኣመንዎ ነገር፣ ሓንቲ ተማሃሪት ኣብ እዋን’ቲ ሰልፊ ክትጎይይ ከላ ስለዝወደቀት፣ ሓንቲ ዓይና ከምዝሳኣነት’ምበር ካልእ ዘጋጠመ ጸገም የለን ኢሎም ይብል ዝረከብናዮ ዜና።

እቲ ዜና ብተወሳኺ ‘ሓንቲ ሰበይቲ ኣብ ከብዳ ተወቂዓ። ትምህርቲ ተቛሪጹ፣ እታ ከተማ ኣብ ሓለዋ ሰራዊት ኣላ’ ይብል።

ምክትል ኣማሓዳሪ ምብራቅ ኣርሲ ኣቶ ጎሳ ጸጋዬ፣ ዝተወደቡ ሰባት ንቤት ትምህርቲ ብኣእማን ከምዝደብደቡን፣ ንምርግጋእ ተባሂሉ ገበነኛታት ከምዝተታሓዙን፣ ዝተቀጥቀጠ ወይ ዝተኣሰረ ሰብ ግና የለን ኢሎም።

XS
SM
MD
LG