ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ክልል ኦሮምያ ኣብ ማእኸላይ ዞባ ዝንቀሳቐስ ኦነግ ግጭት ብሰላም ንምፍታሕ ምውሳኑ ከምዘሓጉሶም ገሊጾም


ካርታ ኢትዮጵያ
ካርታ ኢትዮጵያ

ፕረዚደንት ክልል ኦሮሚያ ሽመልስ ኣብዲሳ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ፌስቡክ ገፆም ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝዘርግሕዎ መልእኽቲ ኣብ ማእኸላይ ዞባ ዝንቀሳቐስ ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ንናይቲ ክልል ግጭት ብሰላም ክፍታሕ ምውሳኑ ዘሓጉሶም ገሊፆም።

እቲ ክልል ምስ ዝኾነ ይኹን ኣዛዚ ማእኸላይ ዞባ ርክብ ፈጢሩ እንተኾይኑ እቲ መግለፂ ዝበሎ የለን። እዚ ዝኸውን ዘሎ ሓደ ካብ ኣዘዝቲ ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞን ኣባል ፈፃሚ ስራሕ እቲ ጉጅለን ዝኾነ ጃል ሰኒ ነጋሳ ግጭት ክልል ኦሮሚያ ብሰላም ክፍታሕ ድልየት ከም ዘለዎ ምስ ገለፀ ድሕሪ ክልተ ሰሙን እዩ።

ንዝተመረፁ መሓውራት ዜና ብሰበስልጣን ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተዳለወ ተለኮንፈረንስ ጃል ሰኒ ኣብ ዝሃቦ ቃል ምስ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ጃል መሮ ርክቡ ምቁራፁ ተዛሪቡ እዩ።

ቅጥዒ

Recommended

XS
SM
MD
LG