ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮምያ ካብ ፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሌ ብዝተተኮሰ ጥይት ህይወት ሰብ ምጥፍኡ ተገሊጹ


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምብራቕ ጉጂ ከተማ መልካ ብፍሉይ ሓይሊ ክልል ሶማሌ ኢትዮጵያ ብዝተተኮሰ ጥይት ህይወት ሰብ ምጥፍኡ ተገሊጹ።

ብካልእ ወገን ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮምያ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት ቀጺሎም ኣለው።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ኣብ ብሄር ዘተኾረ ቅትለት ደው ክብልን ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ጸግኢ ዘይብሉ አጻራይ ኮሚቴ ክምስረት ተቓዋሚ ፓርቲ መኢኣድ ጸዊዑ’ሎ።

ካብ አዲስ አበባ ኣስታት 32 ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ ትርከብ ከተማ ዱከም ሎሚ ተቓውሞ ምክያዱ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG