ኣዲስ ኣበባ —
ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ክልል ኦሮሚያ ግጭት ምቕፅሉ ድምፂ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ነበርቲ ገሊፆም።
ስሞም ክግለፀሎም ዘይደለዩ ነበርቲ ዞባታት ሰሜን ሸዋ፣ ምዕራብ ሸዋ፣ ሆሮጉድሩን ካልኦት ዘይምርግጋእ ዘለዎም ከባቢታት መንግስትን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ኣብ ታንዛኒያ ልዝብ ሰላም የካይዱ ከምዘለው እንተተገለፀ እውን ግጭት ክሳብ ሎሚ ምቕፃሉ ተዛሪቦም።
ልዝብ ሰላም ምጅማሩ ምስ ሰምዑ ሰላም ክመፅእ እዩ ዝብል ተስፋ ከምዝነበሮም ዝገለፁ እዞም ነበርቲ ውግእ ምቕጻሉን ኣብ ስግኣት ከምዝርከቡን ይገልጹ።
ወሃቢ ቃል ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኦዳ ተርቢ ብወገኑ ኣብ ዝተፈላለዩ ዞባታት ክልል ኦሮሚያ ግጭት ምቕፃሉ ኣብ ናይ ትዊተር ገፁ ሓቢሩ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣምቦ መምህር ፖለቲካ ሳይንስ ሰለሞን ተፈራ ብወገኑ ክልቲኦም ኣካላት ናብ ሰላም ክመፁ እቲ ብምስኣን ሰላም ዝተፀገመ ህዝቢ ፀቕጢ ክገብር ከምዘለዎ ሓቢሩ።
ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ፅሕፈት ኣዋሃሃዲ ሰብኣዊ ሓገዝ ኦቻ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዘውፅኦ ፀብፃብ ኣብ ምዕራብ ኦሮሚያ ዘሎ ፀገም ፀጥታ ከምዝቐፀለ ሓቢሩ፡ ረድኤት ምብጻሕ ከምዝተፀገሙ ገሊፁ ኣሎ ።
በቲ ግጭት ዝወረደ ጉድኣት ብዝምልከት ካብ መንግስቲ ዝተወሃበ ሓበሬታ የለን።