ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኦሮምያ ዝሞተ ተማሃራይ የለን ኢለን ሓላፊት ቢሮ ኮምንኬሽን ኦሮምያ


Amharic Ethiopia Program Banner
Amharic Ethiopia Program Banner
ብጠንቂ ማስተር ፕላን ምስ ኦሮምያ ዘዳቡብ ከባቢ ኣዲስ ኣበባ ዝተላዕለ ህውከት፣ሕቶኦም ብጉቡእ ኣገባብ ምስ ዘልዐሉ ተማሃሮ ዝተፈጥረ ግጭት የለን።ተማሃሮ ሕቶኦም ኣቅሪቦም፣ዝምልከቶ ኣካል ምላሽ ሂቡሉ‘ዩ ኢለን ሓላፊት ቢሮ ኮምንኬሽን ኦሮምያ ወ/ሮ ራብያ ኢሳ።

ንሰን ምስ ቪኦኤ ኣብ ዘካየደኦ ቃለ-ምልልስ፣ስለምንታይ‘ዩ ዝምልከቶ ኣካል ንሕቶ ተማሃሮ ግቡእ መልሲ ዘይሃበሉ? እቲ ዝተፈጥረ ግጭት ቅድሚ ምውጋዱ? ንዝብል ዝቀረበለን ሕቶ፣ተማሃሮ ኣምቦ ቀዲሞም ሓተቲ ከምዝነበሩ ምስ ጠቀሳ፣

”እቲ ሕቶ ኣቅሪቦም፣ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ናብ ህውከት ኣትዮም።እቲ ማስተርፕላን ግና ብክልቲኦም ክልላት ዝተረቀቀ‘ዩ።እቲ ማስተርፕላን ገና ኣይሓለፈን።ኣብ ውጥን ከሎ‘ዩ ብዙሕ ዝተዘርበሉ።ተማሃሮ ኣምቦ ሓቲቶም መልሲ ካብ መንግስቲ ክሳብ ዝረኽቡ‘ውን ክፅበዩ ኣይካኣሉን”ኢለን።

”መንግስቲ ንሕቶ ተማሃሮ ብሓይሊ ንክምልስ ድልየቱ ኣይኮነን፣ስለዝኾነ‘ዩ ኣብ ልዕሊ ኣኽበርቲ ፀጥታ ኣእማን እናተደርበየ ከሎ መልሰ-ግብሪ ከይትህቡ ዝተባሃለ።ኣኽባሪ ፀጥታ ንብረት እናጠፍአ ተዓዛባይ ዝኾነሉ ኩነታት ክህሉ ኣይኽእልን“ኢለን።

ወ/ሮ ራብያ ”ኣብ’ቲ ህውከት ዝሞተ ተማሃራይ የለን፣ኩነታት ሃዲኡን ሰላም ከምዘሎን” ገሊፀን።
XS
SM
MD
LG