ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተምሃሮ ብሓይልታት መንግስቲ ምቕታሎም ጌጋ እዩ ኢሎም ኣፈ ጉባኤ ፓርላማ ኢትዮጵያ


Ramani ya eneo la Oromia Ethiopia
Ramani ya eneo la Oromia Ethiopia
ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣቶ ኣባዱላ ገመዳ ተቓውሞ ዘስምዑ ሓደ ሓደ ኦሮሞ ተምሃሮ ብሓይልታት መንግስቲ ምቕታሎም ጌጋ እዩ ኢሎም።እንተኾነ እቶም ተምሃሮ ሕግን ስርዓትን መንግስቲ ከምዘይተኸተሉ ብምግላፅ ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣምቦ ምስቶም ተምሃሮ ተሓዊሶም ንዝበሉዎም ወገናት ተሓተቲ ገይሮም።

ኣብቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ብዝተልዓለ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ህይወት ሰባት ምጥፍኡ መልሲ ክህቡ ዝተሓተቱ ኣቶ ኣባዱላ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብዝርከቡ ዩኒቨስታት ንዕብየት ማስተር ፕላን ዞባ ፊንፊኔ ኦሮሚያን ከተማ ኣዲስ ኣበባን ብምቅዋም ብተምሃሮ ዝተልዓለ ሕቶ ተቓውሞ እዩ ኢሎም።

ተምሃሮ ዘልዐልዎም ሕቶታት ፍትሓውን ሕጋውን እዮም ዝበሉ ንሶም እዞም ፍትሓውን ሕጋውን ሕቶታት በቢከባቢኡ ዝርከቡ ምምሕዳር ዩኒቨርስታትን ከባቢያዊ ምምሕዳራትን ንምምላስ ፃዕርታት ገይሮም እዮም።ነቲ ጉዳይ ብቐረባ ይከታተሉ ዝነበሩ ሓለፍቲ መንግስቲ መብሪ ንምሃብ ፈቲኖም እዮም ኢሎም።

እንተኾነ ግን ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት እቶም ተምሃሮ ንዘቕረብዎም ሕቶታት ብቑዕ መልሲ ኣይረኸብናን ብምባሎምን ሕቱኦም ናብ ላዕለዋይ ኣካል ክቐርበሎም ሓቲቶምን መልሲ ቅድሚ ምምፅኡ ናብ ሰልፊ ከምዝወፁን ኣድላይ ምድላውይ ከይተገብረ ብሓይሊ ስለዝወፁ ኣብ ከተማ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ኪሳራ በፂሑ ኢሎም።

‘’ክኸውን ዘይነበሮ ምጥፋእ ህይወትን ንብረትን ኣዚዩ ዘሕዝን እዩ።መንግስቲ እውን ሓዘኑ ገሊፁ እዩ።ኣነ እውን ኣብቲ ቦታ ብኣካል ከይደ ሪአን ሓዚነን እየ።ክኸውን ዘይግብኦ እዩ’’ኢሎም።ዝርዝሩ የድምፁ።
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:59 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG