ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝኻየዱ ተቓውሞታት ምቅጻሉ ነበርቲ ገሊጾም


ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ክልል ኦሮሚያ ተቓውሞታት ምቕፃሎም ነበርቲ እተን ከተማታት ገሊፆም።

ትማሊ ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ከተማ ሙከጡራ ሓደ ወዲ 16 ዓመት መንእሰይ ከምዝተቐትለ ሓው ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊፁ’ሎ።ኣብ ዞባ ሰሜን ሸዋ ወረዳ ደገም ነባሪ ዝኾነ ካልእ ምንጪ እውን "ብሰላማዊ ኣገባብ ይካየድ ዝነበረ ሰልፊ ቶኽሲ ተኸፊቱና" ክብል ንድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ኣምሓርኛ ሓቢሩ’ሎ።

ብኻልእ ወገን ኣብ ዩኒቨርስቲ ጂማ ተማሃሮ ክፍሊ ምህንድስናን ኮምፒተር ሳይንስን ካብ ዩኒቨርስቲ ጂጂጋ ዝወፁ ልዕሊ 4,000 ተማሃሮን መምህራንን ቦታ ክውሃቦ ኣለዎም ዝብል ሕቶ ሒዞም ምውፅኦም ተዛሪቦም።

ካብ ቤት ፅሕፈት ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ ሓበሬታ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነ ኣይተዓወተን።

XS
SM
MD
LG