ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሲኖዶስ ክልል ኦሮምያ መስሪትና ካብ ዝበሉ መራሕቲ ሃይማኖት 3 ምእሳሮም ኣተሓባበርቲ ገሊጾም


"መንበረ ጴጥሮስ" ዝተባህለ ናይ ክልል ኦሮምያ ሲኖዶስ መስሪትና ኣለና ኢሎም ትማሊ ሰሉስ መግለጺ ካብ ሞንጎ ዝሃቡ መራሕቲ ሃይማኖት እቶም ሰለስተ ከምዝተኣሰሩ ኣተሓባበርቲ’ቲ ተበግሶ ኣፍሊጦም።

ዲያቆን ኣክሊሉ ዓለሙ ሎሚ ንቪኦኤ ከምዝገለጾ ‘እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ዝተኣሰሩ፣ ኣብ ከተማ ሸገር ነቲ መግለጺ ድሕሪ ምሃቦም ኣብ ቤት ጽሕፈቶም ከለው’ዩ’ ኢሎም።

ብዛዕባ ምእሳር’ቶም ሰለስተ መራሕቲ ሃይማኖት ግብረመልሲ ካብ ምምሕዳርን ፖሊስን’ታ ከተማ ንምርካብ ዝተገብረ ፈተነታት ኣይተዓወተን ክብል ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ሓቢሩ'ሎ። ካብ ቤተ ክርስትያን ኦርቶዶክስ ኢትዮጵያ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ዝተወሃበ ግብረ መልሲ’ውን የለን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG