ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ክልል ኦሮምያ- ኣብ ጽባሕ አዋጅ ህጹጽ እዋን


 አዲስ አበባ
አዲስ አበባ

መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ዝሓለፈ ዓርቢ ጀሚሩ ዝአ ወጁ ናይ ህጹጽ እዋን አዋጅ ዝርዝሩ ትማሊ ዝገለጸ ኽከውን ከሎ ብፍላይ ድማ ብጉጅለ ምውዳብን ኣብ ኣደባባይ ሰልፊ ምግባርን ዝኸልከለ እንተኾነ ኣብ ክልል ኦሮምያ ኣብ ሓደ ሓደ ከባቢታት ካብ ቤት ማእሰርቲ ንዝተፈትሑ አባላት ኣመራርሓ ተቓወምቲ ፓርቲታት ኣቀባብላ ይካየድ ከምዘሎ ተገሊጹ።

ኣብ ምዕራን ወለጋ ንዝተፈትሑ ኣብ ዝተኻየደ ኣቀባብላ ብሰላም ከምዝተፈጸመ ናይ ኦሮሞ ተቃዋሚ ፓርቲ ኦሮሞ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኣፍሊጡ’ሎ።

ኣቐዲሙ ኣብቲ ከባቢ ሰራዊት ከምዝሰፈረ ዝተዛረቡ ወሃቢ ቃል እቲ ፓርቲ አቶ ሙላቱ ገመቹ ድሕሪ’ቲ ናይ ሎሚ አዋጅ ዝተራእየ ሓድሽ ምንቅስቃስ የለን ክብሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ክፍሊ ኣምሓርኛ ሓቢሮም።

ብካልእ ወገን እቲ አዋጅ ካብ ዝእወጅ ንነጀው መንእሰያት ከምቲ ናይ ቅድም ኣብ መንገዲ’ኳ ክልተ ኾይኖም ምኻድ ፈሪሆም ኣለው ክብል ሓደ ስሙ ክግለጽ ዘይፈቐደ ነባሪ ሰሜን ሸዋ ከተማ ገርበ ጉራሻ ገሊጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ክልል ኦሮምያ- ኣብ ጽባሕ አዋጅ ህጹጽ እዋን
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:30 0:00

XS
SM
MD
LG