ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝፍጸም መጭወይቲ ሰባት ይጋደድ ምህላው ግዳያትን ቤተሰቦምን ገሊጾም


ኣብ’ዘን ዝሓለፋ ሒደት ሳምንታት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮምያ ብዓሰርተታት ዝቁጸሩ ሰባት ከምዝተጨወዩ ግዳያትን ቤተሰቦምን ገሊጾም።

እቶም ጨወያ ዝፍጽሙ ሓይልታት፣ ጋር ነብሲ ክፈሉ እናበሉ ገንዘብ ከምዝሓቱ’ውን እቲ ዜና ይሕብር።

ንድምጺ ኣመሪካ ርእይቶ ዝሃቡ ኣብ’ዚ ቅነ’ዚ፣ ሸሞንተ ሓረስቶት፣ ነብስ ወከፎም ክሳብ 300 ሽሕ ብር ከፊሎም ከምዝተለቁ ገሊጾም። ካልእ ውልቀ ሰብ ብወገኑ ‘ካብ ኢድ’ቶም ጨወይቲ ንምድሓን ክብል ምስ ካልኦት የዕርኽቱ ኮይኑ ልዕሊ 2-ሚልዮን ብር ምኽፋሉ ጠቂሱ።

ሓላፊ ቢሮ ቤት ጽሕፈት ኮሚኒኬሽን ክልል ኦሮምያ ኣቶ ሓይሉ ኣዱኛ እቲ መንግስቲ ኦነግ ሸኔ እናበለ ዝጽወዖ ሓይሊ እዩ ዝሕተት ከምዝበሉ፣ ወሃቢ ቃል’ቶም ዕጡቃት ኣቶ ኦዳ ተርቢ ግና ነቲ ክሲ ከምዝነጸጎ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ካብ ኣዲስ ኣበባ ሓቢሩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG