ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ: መጥቃዕቲ ኦርላንዶ "ኣብ ናይ ኣመሪካ ታሪኽ እቲ ዘስካሕክሕዩ" ክብሉ ገሊጾሞ


ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ኣብ ኦርላንዶ ፍሎሪዳ ብሰንበት ዝተፈጸመ ቕትለት ኣብ ናይ ኣመሪካ ታሪኽ እቲ ዘስካሕክሕ ክብሉ ገሊጾሞ።

ሓደ ዕጡቕ ፍቑራት ተመሳሰልቲ ጾታ ይዘናግዕሉ ኣብ ልዕሊ ዝነበሩ ክለብ ትኽሲ ብምኽፋት 49 ሰባት ቀቲሉ ንካልኦት 53 ኣቑሲሉዩ።


ፕረዚደንት ኦባማ እቲ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ተግባር ጽልኣት ምዃኑን ኣመሪካውያን ኣብ ሓዘን ቁጥዐን ንህዝቢ ድማ ኣብ ምሕላው ከምዝርከቡ ገሊጾም። እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈጸመ ኣብ ኣመሪካ ኣጽዋር ንምዕዳግ ቀሊል ስለዝኾነዩ ተፈጺሙ ድማ ኢሎም።


ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ዝዕድመኡ ዖማር ማቲን ናይ ኣፍጋኒስታን ናይ መቦቆል ዘለዎ ኣመሪካዊዩ።

መጥቃዕቲ ኦርላንዶ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:06 0:00

XS
SM
MD
LG